ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቲቦር ናጅ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘትዩ


ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ፡ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገዱ እንዳርጋቸው ኣብ አዲስ አበባ ተራኺቦም ኣብ ዙርያ እዋናዊ ኩነታት ሱዳን ዘትዮም።

ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘምርሐ ቲቦር ናዥ ካርቱም ኣብ ዝተዓዘቦ ጉዳይ ብዝምልከት ንኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ኣብሪሁ።

ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉያት ልኡኻት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ንክልቲኦም ወገናት ሱዳን ንምቅርራብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኣሜሪካ ከም እትድግፍ`ውን እቲ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ንጉዳያት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደራ ዝነበረ ዶናልድ ቡዝ፡ ኣብ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ጌራ ምስያማ ብምግላጽ ድማ ዝተወሃሃደ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድልይ ቲቦር ናጅ ኣዘኻኺሩ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ብወገኑ፡ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ምድጋፍ ማለት፡ ብኣጠቓላሊ ንናይቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ዘለዎ ፋይዳ ልዑል ብምዃኑ፡ ናይ ቀረባ ምክትታልን ድጋፍን ዘድልዮ ምዃኑ ምግላጹ ካብ ፋና ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

XS
SM
MD
LG