ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ኮኒና


ኣብ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ህወሓት ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈፀሞ ዘይምኹኑይ መጥቓዕቲን ናይ ክልል ትግራይ ግጭት ዓለምለኻዊ ክኸውንይገብሮ ንዘሎ ፃዕሪን ኣሜሪካ ብትሪ ትኹንኖ ኢሎም።

ቲቦር ናዥ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ንስቪላት ንምክልኻል፣ወጥሪ ንምህዳእን ሰላም ንምስፋንን ቕልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ፃውዕትና ይቕፅል ኢሎም።

ኣብ ካልእ ናይ ቲዊተር መልእክቶም ኣብ ማይ ካድራ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ንኹንን ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ግጭት ንምህዳእን ጠጠው ንምባል ቕልጡ ስጉምትታት ክውሰዱ ብጥብቂ ንፅውዕ ኢሎም።ሰላም ክምለስን ስቪላት ሓለዋ ክረኽቡን ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ናዥ ወሲኾም ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ምርመራ ከካይዱን ተሓተቲ ብሕጊ ናብ ፍትሒ ከቕርቡን ንፅውእ ኢሎም ኣለው ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ዓርቢ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ክልል ትግራይ ብዝተወንጩፉ ሚሳይላት ከምዝተወቕዓ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG