ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ሰዒድ ሓደ ዓመት ድሕሪ መንግስቶም ምፍራሶም: ንፓርላማ ምብታኖምን ስልጣን ኣብ ኢዶም ምብሓቶምን ህዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ ድምጺ ክህብ እዩ።
እዚ ምዕባለ’ዚ ግና፣ ነታ ዲሞክራሲ ይዕምብበላ ኣሎ ትባሃል ቱኒዝያ፣ ናብ ምልካዊ ስርዓት ከሰጋግራ ይኽእል እዩ ዝብሉ ተንተንቲ ኣይተሳእኑን።
ቱኒዝያዊያን ንዓመታት ንዝመርሕዎም ውልቀ መላኺ ዚን ኢል ኣብዲን ቤን ኣሊ ድሕሪ ምዕላዎምን፣ ጽድያ ዓረብ ንዘበገሰ ወፍሪ ድሕሪ ምልዓሎምን፣ ተመሊሶም ኣብ ቀራን መገዲ ኣትዮም ኣለው።