ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱኒዝያ፥ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ንቀንዲ መደበር መውጽኢ ነዳዲ’ታ ሃገር  ምዕጻዎም ተገሊጹ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንግስቲ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ዝኣተዎ ቃል ክዕቅብ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ንቀንዲ መደበር መውጽኢ ነዳኢ'ታ ሃገር ምዕጻዎም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም ሰልፈኛታት መንግስቲ ኣብ 2017 ናይ ነዳዲ ኢንዳስትሪን ካልኦት ትሕተ ቅርጻ ስርሓት ዞባ 'ታቱን' ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ዝኣተዎ ቃል ከኽብር ጸቕጢ ንምግባር ነቲ ሰልፊ ምክያዶም ይሕብሩ።

ነበርቲ’ቲ ዞባ ኣብቲ ዞባ ሽቅለት ኣልቦነት 30 ሚእታዊት ምብጽሑን ማእከላይ መንግስቲ ሸለል ኢልና ኢሎም ከምዝኣምኑ ይሕብሩ።

ኣቐዲሙ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ምግጫዎም ይፍለጥ።

ቁጠባዊ ጸገም ቱኒዝያ ኣብ ርእሲ ምልቓቅ መዝነት ቀዳማይ ሚንስትር ኢልያስ ፋክህፋህ ብምዃኑ ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ ከምዝገብሮ ይግለጽ ኣሎ። ንሶም መዝነቶም ዝለቐቁ ኣብ ትካል መጻረይ ርስሓት ዝነበሮም ብርኪ'ዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ፋክህፋክህ ኣብቲ ትካል ዝነበሮም ብርኪ ምሻጦም እንተገለጽ ዃ ምርመራ ይካየድ ምህላው ተፈሊጡ'ሎ።

ንሶም ብተወሳኺ ክሳብ ዝትክ ኦም ዝርከብ ከም ሓላዊ ቲ መዝነት ክጽንሑ ፍቓደኛ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG