ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱኒዛውያን ንሓድሽ ዝተዳለወ ሕገ መንግስቲ ረፈረንደም ኣካዪዶም


ቱኒዝያዊያን ሎሚ ሰኑይ አብ ልዕሊ’ቲ ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ዝያዳ ስልጣን ዝህብ ዝተማሓየሸ ሕገ መንግስቲ ድምጺ ክህቡ ውዒሎም።

እዚ ናይ ሎሚ መስርሕ ዝተፈጸመ፣ ልክዕ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምብታን ፓርላማ'ታ ሃገር'ዩ።

ፕረዚደንት ካይስ ስዒድ ፓርላማ ቱኒዝያ ዝፈረሰሉ ቀንዲ ምክንያት፣ ንቱኒዝያ ካብ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላው ንምድሓን እዩ ይብሉ።

ነቀፍቶም ግና እቲ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ፣ ስልጣን ኣብ ኢድ ፕረዚደንት ንምጥቅላል እዩ ክብሉ ከለው፣ ተቃውምቲ ድማ ኣብ ጎደናታታት ድምጾም ኣቃሊሖም።

XS
SM
MD
LG