ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪ: ፊላንድን ስዊድንን ኣባል እቲ ኔቶ ክኾና ንዘቕረብኦ ሕቶ ብድምፂ ንምስዓር ዝሓዘቶ መርገፂ ኣልዒላ


ኣባል ኔቶ ዝኾነት ቱርኪ ፊላንድን ስዊድንን ኣባል እቲ ኪዳን ክኾና ንዘቕረብኦ ሕቶ ብድምፂ ንምስዓር ዝሓዘቶ መርገፂ ኣልዒላ።ሰለስቲአን ሃገራት ሓንቲ ናይታ ካልኣይቲ ፀጥታ ንምክልኻል ድሕሪ ምስምምዐን ኣንፃር ወራር ሩሲያ ንዩክሬን ኣብ ፈተና ኣቲዩ ዝነበረ ሓድነትን ንሰሙናት ዝጸንሐ ድራማን ተፈቲሑ ኣሎ።

እቲ ስምምዕ ዝተበፅሐ ኣብ ማድሪድ ዋዕላ ኔቶ ቅድሚ ምጅማሩ ንኣርባዕተ ስዓታት ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ'ዩ።እቲ ውሳነ ኣንፃር ሩሲያ ሓድነቶም ንምግላፅ ዝተኣከቡ 30 መራሕቲ ሃገራት ክፍጠር ይኽእል ዝነበረ ዘሕፍር ደውታ ዘወገደ እዩ ።

ዋና ፀሓፊ ኔቶ የንዝ ስቶልተንበርግ ፊላንድን ስዊድንን ብሽብር ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ናይ ምብራር ወይ ኣሕሊፍካ ምሃብ ሕቶታት ብዝምልከት ምስ ቱርኪ ንምስራሕ ድሉዋት እየን፤ብተመሳሳሊ ድማ መስርሕ ምብራር ልዕልነት ሕጊ ብዘኽብር ኣገባብ ብናይ ሕብረት ኣውሮጳ ስምምዓት ምብራርን ናይተን ሃገራት ስርዓተ ሕግን እዩ ክፍፀም ኢሎም።

ሕጂ ፊላንድን ስዊድንን ምስቲ ደንበ ክፅምበራ ሕቶአን ከቕርባ ይኽእላ።እቲ ሕቶ በቶም 30 መራሕቲ ሃገራት ተቐባልነት ዋላ እንተረኸበ እውን ብፓርላማ ጥምረት ኔቶ ክፀድቕ ኣለዎ።እቲ ከይዲ ሓደ ዓመት ክወስድ ይኽእል።

XS
SM
MD
LG