ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪ ኣፍጋኒስታናዊያን ስደተኛታት ከምዘይትቅበልን ዓለምለኻዊ ግብረ መልሲ ከምዘድልይ ትገልጽ


ቱርኪ ነቲ አብ ኣፍጋኒስታን ተኸሲቱ ዝርከብ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምግታእ ዓለምለኸ ሓባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ ክትብል ፀዊዓ ።

ቱርኪ ነዚ ዝገለጸት ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቁፅሪ ስደተኛታት ሒዛ ከም እትርከብ ሃገር ብምኳና ካብ ሎሚ ንደሓር ካብ ኣፍጋኒስታን ኮነ ካልኦት ከባቢታት ንዝመፁ ስደተኛታት ከምዘይትቅበል ድሕሪ ምጥንቃቃ እዩ ።

ኣብቲ ትማሊ ሶኑይ ዝተኻየደ ኣኬባ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽቡ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉጥ ቻቩሽሎ ብዛዕባ እቶም ኣብ ልዑል ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከቡ ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ዓለምለኻዊ ሓባራዊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝግባእ ሰዓት ሕጂ እዩ ኢሎም።

" እቲ ሎሚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣጋጢሙ ዝርከብ ዘሎ ሰብኣውን ፀጥታውን ቅልውላው ሳዕቤኑ ንዓለምና ብቀጥታ ዝፀሉ ብምዃኑ ሕጂ ሓባራዊ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ።"

መራሕቲ ቱርኪ ካብ ኣፍጋኒስታን ሃዲሞም ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ብግዝኣቶም ስለዝሓልፉ ልዑል ስግኣት ከምዝፈጠረሎም ይግለፅ ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቱርኪ ዝበፅሑ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ኣብቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዘካየድዎ ዑደት ቱርኪ ካብ ኲናት ሕድሕድ ሶርያ ሃዲሞም ንዝመፁ ከባቢ 4 ሚልየን ዝፅግዑ ስደተኛታት ምዕቋባ ኣመስጊኖም ።

ኣብቲ ቱርኪ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኣተወቶ ስምምዕነት ስደተኛታት ሲርያ ንምዕቋብ ብቢልዮናት ዝቁ፟ፀር ዶላር ሓገዝ ትረክብ ።

ሓደ ሓደ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ስደተኛታት ኣብ ጥቅኦም ናብ ዝርከባ ሃገራት ክዕቆቡ ይግባእ ኣብ ዝብል ሓሳብ ብምስምምዖም ቱርኪ ንስደተኛታት ኣፍጋኒስተን ክትቅበልን እቲ ዝኣተወቶ ውዕል ክናዋሕን ሓሳብ ኣቅሪቦም ይኹን እምበር ኣባል ቀንዲ ተቃዋሚ ፓርቲ ቱርኪ CHP ዝኾነ ዑናል ቼቪኮዝ ንፖሊሲ ስደተኛታት መንግስቲ ኣትሪሩ ነቂፉ።

"እዚ ልዑል ጉድለት ምምሕዳር ዝተመዝገበሉ 'ዩ። ኣብ ሞንጎ ቱርክን ሕብረት ኣውሮጳን ዝነበረ ርክብ ብቀሊሉ ርክብ ዕድጊት እዩ ነይሩ ።ዝተወሰነ ገንዘባዊ ሓገዝ ንቱርኪ ብምሃብ ዋሕዚ ስደተኛታት ጠጠው ክብል ደልዮም ዝገበርዎ 'ዩ ነይሩ። ይኹን 'ምበር እቲ ሸክሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቱርኪ እዩ ተዳጒኑ ንማሕበረሰብ ዓለም ብማዕረ ክባፃሕ ኣይተገብረን ።ሕጂ'ውን ከምኡ እንተቀፂሉ ንስደተኛታት ኣፍጋኒስታን ስዒቡ ተመሳሳሊ ኣካይዳ ክቅፅል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለና።"

ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣንክራ በፂሖም ኣብ ቱርኪ ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታትን ስምምዓትን ተዘራሪቦም ። ኣንከራ ተወሰኽቲ ስደተኛታት ከምዘይትቅበል ብምግላፅ ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ጾር ክሕግዛ ፀዊዓ። ሓደሓደ ተንተንቲ ኣንከራ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝወሃባ ሓገዝ ከምትደልዮ ክገልፁ ከለዉ ከም ሶል ኦዜል ዝተባህለ ብዓል ሞያ ዓለምለኻዊ ርክባት ግና ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂፕ ጠይብ ኤርዶዋን ኣብዚ እዋን ልዕሊ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ከም ነፃ ቪዛ ዝበል ንህዝቦም ዘእምንሉ ሜላ የድልዮም ኣሎ ይብል ።

ፍቃድ ጉዕዞ ነፃ ቪዛ ቱርኪ እቲ ፈላማይ ስምምዕነት ኣካል ስደተኛታት ሶርያ ዝነበረ እዩ ።ይኹን 'ምበር ስጋብ ሕጂ ገሊአን ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ብዘይምስምመዐን ክፍቀድ ኣይከኣለን ።

XS
SM
MD
LG