ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪ ንምስዋር ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ንምጽራይ ንቆንስል ስዑዲ ከምትፍትሽ ኣፍሊጣ


ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢስታንቡል
ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢስታንቡል

ኣብ ውሽጢ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ተቐቲሉ ዝተባህለ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ብህይወት እንተሃሊዩ መረጋገፂ ክትህብ ናይ ፕረዚደንት ቱርኪ ንስዑዲ ዓረብ ሓቲቶም።ምጥፋእ ሃለዋቱ ኣብ መንጎ ቱርኪን ስዑዲ ዓረቢያን ዲፕሎማሲያዊ ቅልውላው ብምስዓብ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ከየልዕል ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።

ጀማል ኻሾጊ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ዝኸደ ንቱርካዊት ሕፅይቱ ንምምርዓው ዘድልይ ሰነድ ንምምላእ ነይሩ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ኣይተፈልጠን።መሓዙቱን ደገፍቱን ትማሊ ሶኑይ ኣብቲ ኤምባሲ ተቓውምኦም ከስምዑ ውዒሎም ኣለው።

ናይ ቱሪኪ ፕረዚዳንት ረሲፕ ተይብ ኤርዶጋን ናይውልቂ ዓርከይ ክብሉ ንኻሾጊ ገሊፆምዎ ኣለው።ትማሊ ሶኑይ ኣብ ቡዳፐስት ዑደት ይፍፅሙ ኣብዝነበረሉ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ስዑዲ ዓረብ ሪያድ ኻሾጊ ብህይወት ከምዘሎ ከተረጋገፅ ኣለዋ ኢሎም።

“ሰበስልጣን ቆንስል ስዑዲ ካብቲ ቆንስል ወፃኢ ከይዱ እዩ ኢሎም ንርእሶም ነፃ ክገብሩ እዮም።ዝምልከቶም ሰበስልጣን ግን ነቲ ዝብሉዎ ዘለው መረጋገፂ ክህቡ ኣለዎም።”

ኻሾጊ ምስ ቱርካዊት ሕፅይቱ ክምርዖ ዘኽእሎ ቅጥዒ ክመልእ 2 ጥቅምቲ 2018 ናብቲ ቆንስል ኣትዩ።ሕፅይቱ ኣብ ደገ እንተተፀበየቶ እውን ኣይተመልሰን።

መርመርቲ ቱርኪ ኻሾጊ ተቐቲሉ ሬስኡ ብናይ ዲፕሎማሲያዊ መኪና ተወሲዱ ኢሎም ይኣምኑ።ፖሊስ ናይ ፎረንሲክ ምርመራ ክካየድ ሓቲቱ’ሎ።እቲ ቆንስል ግን ኻሾጊ ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፈለጥናን ኢሉ’ሎ።ብዓል ስልጣን እቲ ቆንስል መሓመድ ኣል-ኦታይቢ “እቲ ቆንስልን ኤምባሲን ይደልዩዎ እዮም ዘለው።እዚ ጉዳይ እዚ ኣሻቕሉና’ሎ” ኢሎም።

ኣገልግሎታት ስለያ ኻሾጊ ኣብ ዝተሰወረሉ እዋን ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን ስዑዲ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኢስታንቡል ምብፅሖም ይምርምሩዎ ኣለው።

ኻሾጊ ንመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብዝነቕፉ ጽሑፋቱ ከይእሰር ብምስጋእ ካብ ስዑዲ ዓረብ ሃዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ይንበር ነይሩ።ጀማል ኻሾጊ ስለስተ መዓልታት ቅድሚ ምስዋሩ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ መስርሕ ሰላም ማእኸላይ ምብራቕ ከምዚ ኢሉ ነይሩ።

“ዋላ’ዃ መንግስቲ ንሰባት እናእሰረን ንድምፅታት ተቓወሞ እናዓፈነን ኣብ ቁፅፅር እንተወዐሎ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጉዳይ ፍስልጤማዊያን ሎሚ እውን ዝትንክፍ ዛዕባ እዩ።”

ኻሾጊ ዋሽንግተን ንናይ ስዑዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ንእትህቦ ደገፍን ይነቅፍ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG