ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ዒላማ ትገብር


ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቱርኪ፡ ዝንቡዕ ወይ ድማ ዘይውዱዕ ጽሑፍ ምስ ዘካፍሉ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዱ ይኽእሉ። እዚ ብሓገግቲ ኣካላት ቱርኪ ንምሕላፉ ዝቀራረብ ዘሎ ንድፊ ሓያሎ ተቓውሞ ኣስዒቡ ኣሎ።

ብዙሓት ዜጋታት ቱርኪ፡ እታ እንኮ ብናጻ ሓሳባቶም ዘካፍሉላ መራኸቢ፡ ማሕበራዊ ሜድያ ምዃና’ዮም ዝኣምኑ። በዚ ዝቐርብ ዘሎ ንድፊ ግን ንሳ’ውን እናጸበበት ትመጽእ ምህላዋ ዝዓበየ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ንድፊ ዝቃወሙ ጋዜጠኛታት ናጻ ዝርጋሐን ምቕባልን ሓበሬታ ክተኣጓጎል ምዃኑ ይምጕቱ።

ቢያነት ሓንቲ ካብተን ቐዳሞት ናይ ቱርኪ መርበብ ሓበሬታ’ያ። በዚ ዝበጋገስ ዘሎ ንድፊ ሕጊ ግን ኣብ ናይ ተጠንቀቕ ደወል ይስምዓ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ስክፍታ ብሰብ-መዚ ቱርኪ ስኑዕ ወይ ጌጋ ሓበሬታ ዝብሉዎ ብልክዕ ንምትርጓሙ’ዩ።

ሒክመት ኣዳል ኣብዛ መርበብ ሓበሬታ ንማሕበራዊ ገጻት ዝከታተል ጋዜጠኛ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ዝብሃል ዘሎ ሕጊ ኣመልኪቱ ድማ ክስፍታኡ ብኸምዚ ይገልጽ፤ “እዚ ዝብሃል ዘሎ ንድፊ ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ፡ ኣብ መዓልታዊ ስራሐይ ብዝገብሮ’ውን ናብ ማእሰርቲ ከምርሕ እኽእል’የ። ኣብኡ ድማ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ክጸበየኒ ይኽእል። እዚ ተርእዮ’ዚ ንጋዜጠኛታት ራዕዲ ከም ዝሕዞም ዝገብርን ርእሰ-ሳንሱር ከም ዘዘውትሩ ዝደፍእን’ዩ፡” ይብል።

ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ቀንዲ ማእከል መራኸቢታት ምስ መንግስቲ ዝተጸግዑ ወይ ድማ ብመንግስቲ ዝዝወሩ’ዮም። ስለዚ ከኣ’ዮም እቶም ናጻ መራኸቢታት ኣብ ክንዲ በቲ ንቡር ኣገባብ ናብ ኢንተርነት ዝሰገሩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየሉ መጺኦም ሕጂ ምስቲ ቀንዲ መራኸቢታት’ውን ክወዳደሩ በቒዖም’ዮም። ከም ትንተና ገለ ወገናት ድማ እዚ ብመንግስቲ ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶ ነቲ ብመርበባት ዝዓቢ ዘሎ ጽቡቕ ገስጋስ ናጻ ሜድያ ንምቝጻይ ዝዓለመ’ዩ።

ኣብ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ከም ኣማኻሪት እትሰርሕ ፉሳን ነቢል ብዛዕባ’ዚ ክትገልጽ እንከላ፤ ሕጂ ንዅሉ ነገር ንምዕፋን ዝገብሩዎ ዘለዉ ፈተነ’ዩ። ኵሉ ሓበሬታ ክብል እንከለኹ፡ ዝዀነ መንግስቲ ዘይደልዮን ዘይድግፎን ወገናት ንምባል’የ። እቲ ዝቐርብ ዘሎ ንድፊ ንናጻ ድምጺ ንምዕፋን ዝዓለመ’ዩ።”

በቲ ቀሪቡ ዘሎ ንድፊ ዝዀነ ጌጋ ሓበሬታ ዘካፈለ ዝለጠፈን ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል። እቲ ዝብሃል ጌጋ ሓበሬታ ግን ከም ኣገላልጻ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ክፈላለ’ዩ።

ኣብታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ዘለወን ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዩትዩብን ትዊተርን ድማ በቲ ሕጊ’ቲ ክቕየዳ ክሕተታት’የን።

እዚ ንድፊ ንዝመጽእ ወርሒ ሰነ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብ ምንዳፍ እቲ ሕጊ ዝነጥፉ ዘለዉ ግን እቲ ቀሪቡ ዘሎ ንድፍታት ካብቲ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝገብረኦ ብዙሕ ከም ዘይፍለ ይምጕቱ።

እዚ ግን ብተጣበቕቲ መሰላት ቅቡል ኣይመስልን።

ንመሰል ሓሳባትን ናጻ ፕረስን ካብ ዝጣበቕ ትካል ዝነጥፍ ያማን ኣከንዲዝ፤ “ቱርኪ ምስ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ወይ’ውን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክትወዳደር ኣይትኽእልን’ያ። ግልጺ ንምዃን ዝያዳ ናብ ሩስያ ትቐርብ። ጸብጻብ ውሽጣዊ ጉዳያት እዛ ሃገር እንተ ተመልኪትና ዓመታዊ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝለጠፉዎ ወይ ዘካፈሉዎ ክትትል ይግበረሎም።”

ከም ጸብጻብ ተሓለቒ ትካል ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታትን ካልኦት ተጣበቕቲን፡ ቱርኪ ካብተን ዝኸፍኣ ብማእሰርቲ ጋዜጠታት ዝልለያ ሃገራት’ያ። እዚ ዝቐርብ ዘሎ ንድፊ ድማ ነቲ ድሮ ሻሕኪሩ ዝጸንሐ ኩነታት መሊሱ ዘግድድ’ዩ።

መንግስቲ ነቲ እማመኡ ኣንጻር ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣብ ዝግበር ዓለማዊ ተበግሶታት ኣካል ምዃኑ ይምጕት። ተጠባቕቲ ግን ናጻ ሓሳባት ንምጕዕጻጽ ዝግበር ፈተነ’ዩ ይብሉዎ።

XS
SM
MD
LG