ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

96.7% ተፈትንቲ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኢትዮጵያ ዘይምሕላፎም ሚ/ትምህርቲ ገሊጹ


ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ -ፋይል
ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ -ፋይል

ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ነቲ ሃገራዊ ፈተና ክወስዱ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ተመሃሮ ልዕሊ 985 ሽሕ እኳ እንተነበረ፡ ካብኣቶም ግን 897 ሽሕ ጥራይ ነቲ ፈተና ክወስዱዎ ከም ዝኽኣሉ ሓቢሩ። ካብዚኦም ድማ እቶም ናይ ዩኒቨርሲቲ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ 3.3 ሚእታዊት ወይ ድማ 29,903 ተመሃሮ ጥራሕ ምዃኖም’ውን ፕሮፈሰር ብርሃኑ ገሊጹ`ሎ።

እቶም መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ ተመሃሮ ድማ ተወሳኺ ትምህርቲ ወሲዶም፡ ዳግም ንምፍታን ዕድል ክወሃቦም ምዃኑ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ወሲኹ።

“ናይቶም ተመሃሮ ውድቀት ናይ ኩላትና ውድቀት እዩ፡” ዝበለ ሚንስተር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ፡ ኣብቲ ስርዓት ትምህርቲ ዘሎ ፀገም ጽፈት ትምህርቲ ክዕረ ኵሉ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ናይ ፈተና ስርቂ ንምክልኻል ብዝብል ምኽንያት ናይ 2014 ዓ.ም ዓመተ ትምህርቲ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ንመጀመሪያ ጊዜ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲታት ክወሃብ ምግባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG