ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተጋሩን ደገፍቶምን ኣብ ቅድሚ ቪኦኤ ናይ ተቃውሞ ድምጺ ኣስሚዖም


ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያዊያንን "ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ኣስታት 200 መዓልታት ዝተካየደ ዝብልዎ ‘ህልቂት’፣ ጸግዒ ዝሓዘ ጸብጻብን ኣነኣኢሶም ብምርኣይን ሸፈነ ገይሮምሉ" ክብሉ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣቃሊሖም።

አቶም ሰልፈኛታት "ቪኦኤ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ‘ጸረ ተጋሩ’ መርገጺ ሒዙ ይሰርሕ ኣሎ" ኢሎም ይነቅፉ።

ነቲ ሰልፊ ካብ ሞንጎ ዘዳለው ሓንቲ ራሄል ይፍጠር "ናብ ህንጻ ቪኦኤ ዝመጻናሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ቪኦኤ ንሓቂ ክጽብጽብ ኣለዎ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ካልእ እዩ፣ ሰብኣዊነት ካኣ ካልእ እዩ። ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ቪኦኤ ናይ ርእሱ መርገጺ ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንመንግስቲ ክቃወም ይኽእል እዩ። ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ግን ዓለም ሪኢዎ ዘይፈልጥ፣ ሎሚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ነገር ዘስካሕክሕ እዩ፣ ንሰብኣዊነት እዩ ቪኦኤ ጠጠው ክብል ዘለዎ፣ ቪኦኤ ስራሕኩም ግበሩ ክንብል ኢና መጺና" ኢላ።

በቶም ሰልፈኛታት ዝተዳለወ ጽሑፍ ናብ ዝምልከቶ ሓለፍቲ ቪኦኤ ከምዘረከቡ ዝገለጸ ኣቶ መስፍን ኣየነው ብወገኑ መልሲ ካብ ምሕደራ ቪኦኤ ይጽበዩ ከምዘለው ሓቢሩ።

ንሕና’ውን ካብ ምሕደራ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ንምርካብ ንሰርሕ ኣለና። ምስ ረኸብና ክነቅርበልኩም ኢና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ተጋሩን ደገፍቶምን ኣብ ቅድሚ ቪኦኤ ናይ ተቃውሞ ድምጺ ኣስሚዖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:28 0:00


XS
SM
MD
LG