ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተደጋጋሚ ክታበት ንዓቕሚ ሰውነት ከዳኽሞ ይኽእል'ዩ ክብሉ ተቖጻጸርቲ መድሃኒት ሕብረት ኤውሮጳ የጠንቅቑ


ተቖጻጸርቲ መድሃኒት ሕብረት ኤውሮጳ፥ ተደጋጋሚ ክታበት ንዓቕሚ ሰውነት ከዳኽሞ ይኽእል'ዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ሓላፊ ትካል ምቁጽጻር መድሃኒት ሕብረት ኤውሮጳ ማርኮ ካቨለሪ ኣብዚ ሰሙን እዚ ክገልጽ ከሎ፥ መሐየሊ ክታበት ኮቪድ19፥ ሓደ ግዜ ወይ ምናልባት ክልተ ግዜ እምበር፡ብቀጻሊ ክደጋገም የብሉን ኢሉ።

ካቨለሪ፥ ራብዓይ ክታበት ምውሳድ'ውን ሳዕቤኑ ይበዝሕ ኢሎም ካብ ዝቃወሙ ክኢላታት ሕክምና እዩ።

ብሪጣንያ'ውን ካብ 'ቡስተር' ማለት መሐየሊ ዝሓለፈ ራብዓይ ክታበት ኣየድልን በሃሊትእያ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፥ ንሃብታማት ሃገራት መሐየሊ ክታበት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ንድኻ ሃገራት እታ ቀዳመይቲ ክታበት ምሃብ እዩ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ኢሉ'ሎ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ቻይና ክልተ ሆስፒታላት ብኮቪድ19 ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ሰባት ምቕባል ኣቢኽንን ተባሂለን ተዓጽየን።

ኣብ ፈረንሳ ድማ ሰለስተ ርብዒ መማህራን እታ ሃገር፥ መንግስቲ ቀጻልነት ዘለዎ ስሩዕ ዝኾነ ፕሮቶኮል ጥዕና ኣይክተልን እዩ ዝብል ተቓውሞ ንምርኣይ ቤት ትምህርቲ ሓዲጎም ወጺኦም።


Recommended

XS
SM
MD
LG