ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዓዋቲ ውድድር ምህዞ ከተማ መቐለ


ኣብ ከተማ መቐለ ብዶት ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ውድድር ምህዞ ተካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ውድድር ብርክት ዝበሉ ተወዳደርቲ ቀሪቦም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክተባብዑ ተፈልዮም እዮም፡፡ ብመሰረት እዚ ንሳልሳይን ካልኣይን ዘወፅኡ መሃዝቲ ኣብ ሕሉፍ ግዘ ምቅራበይ ይፍለጥ፡፡

ነቲ ውድድር ቐዳማይ ብምውፃእ ዝዛዘሞ ተማሃራይ ገብረሃንስ ሃይለ ይብሃል፡፡ ገብረሃን ኣብ ኢንስቲተዩት ቴክኖሎጂ መቐለ 5ይ ዓመት ተማሃራይ እዩ፡፡ “ኣነ ሰሪሐዮ ዘለኩ ምህዞ GH24 ይብሃል፡፡ እዚ ማለት ማይክሮ ኦርጋኒስት ተጠቂሞም ካብ ዌስት ኤሌክትሪስቲ ጀኔሬት ምግባር እዩ፡፡ መንቐሊ አዚ ስራሕ ካብ ዘጋጠመኒ ፀገም እዩ ዝብገስ፡፡ ናብዚ ግቢ ቅድሚ ምምፀአይ ተማሃራይ ገጠር እየ ነይረ፡፡ ኣብቲ ግዜ 11 ክፍሊ እናተምሃርኩ ላምባ ኣንዲደ ኣብ ምፅናዕ እናሃለኩ ድቃስ ሰለም ተብለኒ፤ ኣብዚ ግዘ ዘፅንዐላ ዝነበርኩ ላምባ ፈሲሳ ንደፋትረይን ካልእ ኣቃፂላትለይ፡፡ ካብዚ ተበጊሰ ካብዚ ንምድሓን ዝሕግዝ ስራሕ ወይ ምህዞ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ ሰሪሐያ፡፡”

GH24 ዝበልኩላ ምክንያት G ማለት ገብረሃንስ እንትከውን H ማለት ድማ ሃይለ እዩ፡፡ አዚ ማለት ገብርሃንስ ሃይለ እንትከውን፤24 ዝበልኩሉ ምክንያት ድማ እቲ ዝተቃጸልኩሉ ግዘ 2004 ዓ.ም ዕለት 24 እዩ ነይሩ ብኢትዮጵያ ኣቆፃፅራ ይብል፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡

ተዓዋቲ ውድድር ምህዞ ከተማ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:15 0:00

XS
SM
MD
LG