ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዓዋቲ ብሩር ኦሎምፒክ ሪዮ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ


ኣብ ውድድር ኦሎምፒክስ ሪዮ 2016 ናይ ተቓውሞ ምልክት ብምርኣይ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ስደት ዝነበረ ተዓዋቲ ውድድር ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ትማሊ ሰንበት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

“ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ለውጢ ተኣታትዩ ኣሎ፡ ሰባት ድማ ብነጻ ሓሳቦም ክገልጹን ንመንግስቲ ክነቕፉን ይክእሉ እዮም።”

ኣትሌት ፈይሳ ኣብ ትውልዲ ቦትኡ ዝኾነ ክልል ኦሮምያ ካብ 2015 ጀሚሩ ብዝነበረ ተቓውሞ ኣብ ናይ 2016 ውድድር ኦሎምፒክስ ሪዮ ካልኣይ ብምኳን ኣብ ዝዛዘመሉ ዝነበረ እዋን ኣእዳው ናብ ላዕሊ ብምውጻእ ናይ ተቓውሞ ምልክት ምርኣዩ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ አዲስ አበባ መንግስቲ ከካይዶ ንዝመድቦ ናይታ ከተማ ምስፋሕ መደብ ዝተላዕለ ተቓውሞ ክሳብ 2017 ምቕጻሉን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ተቓውሞ ምሟቶም ይፍለጥ።

ተዓዋቲ ብሩር ኦሎምፒክ ሪዮ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:38 0:00

“ ሃገረይ ነዚ ነጻነት ረኺባ ኣነ ምስ ስድራ ቤተይ ክራኸብ ህይወቶም ንዝኽእፈሉ ሰማእት ይደናገጽ። ነቲ ጸልማት ገጢሞም ንዓና ብርሃን ኮይኖም እዮም።”

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ንዶ/ር አብይ አሕመድ ኣቦ መንበርን ቀዳማይ ሚንስተር እታ ሃገር ኮይኖም ካብ ዝምዘዙ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ለውጥታት ምርኣዮን ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝጸንሑ ተቓዋሚ ውድባትን ውልቀሰባትን ድማ ናብ ሃገሮም ምላሶም ይፍለጥ።

“ ናብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረን ንጥፈት ክምለስ ይደልይ እየ። ንሃገረይን ንገዛእ ርእሰይን ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ከምዝኽእል ድማ ልኡል ተስፋ ኣለኒ።”

XS
SM
MD
LG