ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዋሳኢትን ኮመዲያን ቲፋኒ ሓዲሽ ንባንዴራ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክዳን ብምኽዳን ን ኤሚ አዋርድ ትቐርብ


ትፍኒ ሓዲሽ ናብ`ቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሽልማት `ኤሚ ኣዎርድስ`፡ ንኽብሪ ኣቡኣ ዘንጸብራቕ ክዳን ለቢሳ ምምጽኣ ብዙሕ ትኹረት ከምዝሰሓበላ ትገልጽ ኣላ።

እታ ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ትውለድ ናይ ሆሊውድ ተዋሳኢትን ኮመዲያንን፡ ኣብ`ቲ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝተኻየደ ሽልማት ኤሚ ኣዋርድስ፡ ናይ `ዚ ዓመት `ዚ ዝበለጸት ማለት Best Guest Actress ኣብ Comedy Series ተባሂላ ተዓዊታ`ላ።

ትፍኒ ሓዲሽ ናብ`ቲ ሽልማት ተከዲናቶ ዝመጸት ክዳን ብሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ኣቢላ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓለፈ ኣቦኣ ንምዝካር ምዃኑ ኣብ`ቲ እዋን ተዛሪባ`ላ። “እዚ ተኸዲነዮ ዘለኹ ክዳን ምስ ባንዴራ ኤርትራ ሓደ ዓይነት ሕብሪ ዘለዎ፡ ኣቦይ ድማ ኤርትራዊ`ዩ ኢላ።

“ንመማዕረግየይ ወይ ሰፋያይ ክዳነይ Prabal ፡ ንናይ ኣቦይ ሃገር ዘንጸባርቕ ኽዳን ክኽደን`የ ዝደሊ ኢለዮ፡ ናይ ኣሜሪካ መኣዛ`ውን ዘለዎ ማለት`ዩ። ከምትርእይዎ ምዕሩግ ፋሽን ኮይኑ ንመንነተይ`ውን ዘንጸባርቕን ክብሪ ዝህብን `ዩ። ምስ ባንዴራ ኤርትራ ዝመሳሰል`ዩ። ምኽንያቱ ኣቦይ ኤርትራዊ`ዩ። እንሆ ደስ ኢሉኒ ተኸዲነዮ`ለኹ ኩሉ ድማ ፈትይዎ`ሎ።”

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ተዋሳኢትን ኮመዲያንን፡ ኣብ`ቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተኻየደ መበል 90 ዓመት ዓመታዊ ኣካዳሚክ ኣዎርድስ`ን ንኽብሪ ኣቦኣ ብኤርትራዊ ዲዛይነር ዝተዳለወ ዙርያ ተኸዲና ምቕራባ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG