ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ንምዕዋት ምንቅስቃስ ምጅማሮም ይገልጹ


ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዘቐመጦ ናይ ግዜ ሰደቓ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት ስዒሮም ንምውፃእ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከምዝገብሩ ገሊፆም።

ብልፅግና ከም ገዛኢን ተወዳዳሪን ፓርቲ ክልተ ሓላፍነታት ሒዙ ናይ ምርጫ ምድላው ይገብር ከምዘሎ ዝገለፁ ናይቲ ፓርቲ ሓላፊ ክፍሊ ምርጫ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ እቲ ምርጫ ኣብ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ብመርእያነት ክዝከር ፓርቶም ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ ኢሎም።

ኣቦ መንበር ሶሻል ዴሞክራስቲክ ፓርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ብወገኖም መንግስቲ ነቲ ምርጫ ፍትሓዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ሰላማዊን ክኸውን ክሰርሕ እየ ምባሉን ንድምፂ ህዝቢ ብፀጋ ከምዝቕበል ቃል ምእታውን ብሰናይ ከምተቐበልዎ ገሊጾም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ወታሃደራዊ ምንቅስቓስን ኣብ ምድላው ምርጫ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ምፍጣሩ ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም ኣለው።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ናይ ኢትዮጵያዊ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ \ኢዜማ\ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ኣብቲ ምርጫ ከም ዝሳተፍ ብወግዒ ካብ ዝገልፅ ጀሚሩ ምድላዋቱ ከዋድድ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።

ገለ ፖለቲካዊ ተንተንቲ መዕለቢ ዘይረኸበ ግጭት ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳን፣ለበዳ ኮቪድ 19፣ግዜን ቦታን እናመረፁ ዝኽሰቱ ዓሌት ተኮር መጥቓዕቲን ምምዝባልን ኣብ ዝረኣየሉ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ክህልዎ ይኽእል እዩ ይብሉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡብ ክልል ዝርከቡ ኣባላት ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ተወዳደርቲ ፓርትታት ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርትን መንግስትን ዘሎ ምትሕውዋስ እንተድኣ ዘይፀሪዩ ድሕሪ ኣዋርሕ ዝካየድ ምርጫ ዲሞክራሲያዊነትን ፍትሓውነትን ፀገም ክህልዎ ይኽእል እዩ ኢሎም ።

ናይ ደቡብ ክልል ብልፅግና ፓርቲ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን ብዝኾነ ኣገባብ ክዛዘም ከይዲ እቲ ውድድር ፍትሓዊ ክኸውን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ደቡብ ናይ ዝርከቡ ቤት ምኽሪ ተወዳደርቲ ፓርትታት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተዛተዩ ክኾኑ ከለው ናይታ ሃገር ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ ተራኦም ከምዘበርክቱ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG