ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሊብያ ንርእሰ-ከተማ ትሪፖሊ ንምቁጽጻር ይቃለሱ


ወታሃደራዊ መካይን ኣብ ትሪፖሊ ግንቦት 17,2022
ወታሃደራዊ መካይን ኣብ ትሪፖሊ ግንቦት 17,2022

ድሕሪ ምምዛዝ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር፣ ክልተ ተወዳደርቲ ሓይልታት፣ ኣብ ትሪፖሊ ሊብያ ንዝርከብ ቤተ መንግስቲ ንምቁጽጻር ከምዝተጋጨው ተፈሊጡ።

ሓይልታት ፋቲ ባሻጋ ነቶም ስልጣን ኣይነርክብን ዝበሉ ነቲ ቤተ መንግስቲ ንምምንጣል ከምዝፈተኑ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ምምሕዳራት ንክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሓ ደውታ ንምስባር ዓሊሞም፣ ሓይልታት ባሻጋ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ናብ ትሪፖሊ ከምዝኣተውን፣ ውግእ ንትሪፖሊ ድሕሪ ምንዋጹ ግና ነታ ከተማ ሓዲጎም ከምዝወጹን እቲ ዜና ይጠቅስ።

እዚ ዳሕረዋይ ውግእ፣ ንሊብያ ዳግም ናብ ዝተናወሐ ኹናት ክሽምማ እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG