ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወከልቲ ኦፌኮ ኣብ ገለ ዞባታት ምዕራብ ኦሮምያ ኣብያተ ጽሕፈቶም ከምዝተዓጸወ ይገልጹ


ወከልቲ ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስ ኣብ ገለ ዞባታት ምዕራብ ኦሮምያ ዝነበራ ኣብያተ ጽሕፈቶም ከምዝተዓጸው ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

እቶም ወከልቲ ወሲኾም "ብርክት ዝበሉ ወከልቲ እቲ ፓርቲ፣ ደገፍቲን ኣባላት መሪሕነትን ስለዝተኣሰሩ፣ ንርከበሉ ኩነታት ኣብ ምርጫ 2013 ንምስታፍ ዘኽእል ኣይኮነን" ኢሎም አለው።

"እቶም ዝተኣሰሩ ምስ ዝፍትሑ፣ ዝተዓጸዋ ኣብያተ ጽሕፈት ምስ ዝኽፈታ፣ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ምስ ዝሰፍሕ፣ ምፍርራሕን ምሕናይን ምስ ዝቅንስ ግና ኣብ’ቲ ምርጫ ምስታፍ ኣይከብደናን’ ይብሉ።

ሓለፍቲ ፓርቲ ብልጽግና’ቶም ከባቢታት ብተረኦም "ቅሬታ ተወከልቲ ኦፌኮ፣ መሰረት ዘይብሉ እዩ፣ ዝተኣሰረ ኣባልን መሪሕነትን ኦፌኮ የለን፣ ብብልጽግና ዝተዓጸወ ቤት ጽሕፈት’ውን የለን" ተሓቢሩ ሎ።

XS
SM
MD
LG