ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወሳኺ እገዳ ቪዛ ኣሜሪካ፡ ፍትሓውነቱ ይንቀፍ


ፕረ. ትራምፕ ኣብ ልዕሊ 6 ሃገራት ሓድሽ ናይ ኢምግሬሽን ሕጊ እገዳ ከምዘንብር ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:55 0:00

ፕረ. ትራምፕ ኣብ ልዕሊ 6 ሃገራት ሓድሽ ናይ ኢምግሬሽን ሕጊ እገዳ ከምዘንብር ኣፍሊጡ

ኣሜሪካ ነቲ ኣብዚ ቐረባ ዝወሰነቶ ተወሳኺ እገዳ ቪዛ፡ ካብ 21 ለካቲት 2020 ጀሚራ ክተተግብሮ መዲባ`ላ። እቲ ወሳነ፡ ብምምሕዳር ትራምፕ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣገዳሲ`ዩ ክብሃል ከሎ፡ ነቐፍቲ ድማ ብድሕሪ`ቲ ፖሊሲ ዘሎ ፍትሓውነት ኣብ ምልክት ሕቶ የእትውዎ`ለዉ።

ማይነማር ፡ኤርትራ፡ ናይጀርያ፡ ኪርጊስታን ፡ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ሕጂ ኣካል ናይቲ ሓዲሽ እገዳ ቪዛ ኮይነን ኣለዋ-ኣቐዲመን እቲ እገዳ ዝጸንሐን፡ ሶማል፡ ኢራን፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ የመን፡ ሰሜን ኮርያን ቨኑዝዌላ`የን።

ነቲ ውሳነ እገዳ ኢሚግራንት ቪዛ ዝሓለፈ ሰሙን ዘፍለጠ ምምሕዳር ትራምፕ፡ እቲ ረቛሒ ምኽንያት ስኽፍታ ጸጥታ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ተተካኢ ሚንስተር ጸጥታ ውሽጢ ሃገር ቻድ ውልፍ፡ ኩሉ ናብ ኣሜሪካ ዝገይሽ ወይ ዝስደድ ሰብ፡ ምሉእ ምጽራይ ክግበረሉ ንኣሜሪካ ዘይሕለፍ ጉዳይ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ እንተኾነ ገለ ሃገራት ኣለዋ ብዛዕባ ገያሽኦን ምሉእ ሓበሬታ ዘይህባ ፡ስለዚ ንሃገራዊ ጸጥታ ስግኣት ክኾኑ ስለዝኽእሉ እገዳ መገሻ ክንገብር ግቡእ`ዩ ኢሉ።

ሕጂ ካብ`ዘን ዝተጸውዓ ሽዱሽተ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ብናይ ቀዋሚ መንበሪ ቪዛ ወይ ግሪን ካርድ ናብ ኣሜሪካ ክመጹ ኣይክእሉን`ዮም- ምናልባት ብፍሉይ ምኽንያት እንተዘይተፈቒድሎም። እንተኾነ፡ብመሰረት`ዚ ሓዲሽ መምርሒ ከም በጻሕቲ ኮይኖም፡ ወይ ድማ ብስራሕ ወይ`ውን ንሕክምና፡ ቪዛ ክረኽቡ ፍቑድ`ዩ-።

ኣብ ቴክሳስ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር ታሪኽ ቶዪን ፋሎላ፡ ነቲ ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ ይነቅፍ። ንሓደ ብስግኣት ጸጥታ ዝሻቐል ምምሕዳር ብኸመይ ኢሉ`ዩ ቀዋሚ ቪዛ ካብ ግዜያዊ ቪዛ ንላዕሊ ከሰክፍ`ዩ ምባል ብዙሕ ትርጉም ከምዘይሃቦ ይገልጽ።

ሓደ ኣብ ቺካጎ ወይ ኣብ ኒውዮርክ ቀዋሚ ኣድራሻ ዘለዎ እሞ ድማ ስርሑ ዝፍለጥ ሰብ፡ ጸገም ክፈጥር እንተኾይኑ ንኽትሕዞ ዘጸግም ኣይኮነን ክብል`ውን ካብ ብግዚያዊ ቪዛ ዝመጽእ ብቐዋሚ ቪዛ ዝመጽእ ሰብ ዝፈጥሮ ጸገም ዝተሓተ ምዃኑ ይከራኸር።

ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ዝተራኸበ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ገፍሪ ኦንየማ፡ ብዛዕባ`ቲ እገዳ ጉዕዞ ሃንደበት ከምዝኾኖ ይገልጽ። ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ኣብ መዳይ ጸጥታ ብምትሕብባር ንምምሕያሽ ድማ ቃል ኣትዩ።

ንሶም ወሲኾም “ዳታን ሓበሬታን ተጉዓዝቲ ንኣሜሪካ ክንሕብር ኢና፡ ምስ ኣባል ሃገራትን ኢንተርፖልን`ውን ንምስራሕ ንቀላጠፍ ኣለና” ኢሉ ።


ከም ናይጀርያ መብዛሕቲኦም ዜጋታት ኤርትራ በርማን ክርጊስታንን `ውን ካብ ኢሚግራንት ወይ ናይ ነባርነት ቪዛ ተኣጊዶም ኣለዉ። እዚ ቪዛ`ዚ ብዜጋታት ኣሜሪካ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ብዘለዎም ሰባት ንኣንስቶም ወይ ንሰብኡተን ወይ ንዘይተመርዓዉ ደቆም ንቀዋሚ ነባሪነት ዝምላእ ሕቶ`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:09 0:00


XS
SM
MD
LG