ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወላዶ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህወሓት ዝቓወም ሰልፊ አካይዶም


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየድዎ ንህወሓት ዘውግዝ ሰልፊ፥ ህወሓት ብዝምልከት ግጉይ መርገጺ የሰጉሙ ኣለው ንዝበልዎም ኤምባሲታት ኣመሪካን ብሪጣንያን'ውን መርገጺኦም ዝገልጽ ደብዳበ ኣብጺሖም።

ኣብቲ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ዘተሓባበሮ ሰልፊ ዝተኻፈሉ ተሳተፍቲ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ደብዳበ ኣብጺሖም'ለዉ።

እቲ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ዝተኻየደ ሰልፊ ንህወሓት ዘውገዝን ንማሕበረሰብ ዓለም ዝጽውዕን እዩ ኔሩ። ሰልፈኛታት ካብ 6ኪሎ ዝተባህለ ቦታ ብምብጋስ ናብ ኤምባሲታት ኣመሪካን እንግሊዝን ከምኡውን ሕብረት ኣፍሪቃን ዘቅንዐ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝን መልእኽታቶም ብምቅላሕን እዩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቀስ ፓርቲ ባይቶና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከቡ ሓላፊ ክፍሊ ሕጉ ኣቢሉ እዚ ብፓርቲ ብልጽግና ክልል ትግራይ ዝተዳለወ ሰልፊ ንህዝቢ ትግራይ ኣውክልንእዩ ኢሉ'ሎ።

XS
SM
MD
LG