ሃዋሳ —
‘ካብ ጽባሕ ኣብ ክልል ትግራይ ውግእ ዝጀመረሉ ጊዜ ኣትሒዙ፣ መንነት ዘማእከለ ምትንኳልን ዘረፋ ንብረትን ኣብ ከተማ ሑመራን ካልኦት ከተማታትን ይፍጸም ኣሎ’ ክብሉ ገለ ትግራዎት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።
እቶም ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ተጋሩ መብዛሕተኦም ደቂ ተባዕትዮ ተጋሩ መናእሰያት፣ ንከተማ ሑመራ ገዲፎም ናብ ሱዳንን ማእከላዊ ትግራይን ከምዝሃደሙን፣ ብሰንኪ’ዚ ውግእ፣ ንቤተሰባዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ከምኡውን ንጥምየት ተቃሊዖም ከምዘለው ይገልጹ።
ኣተሓባባሪ ሰላምን ጸጥታን ጊዚያዊ ኣማሓዳሪ ሑመራ፣ ‘መከላኸሊ ሰራዊትን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ነታ ከተማ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፣ ገበናት ዘረፋ ደው ከምዝበለ፣ መንግስቲ ንድሕነት ዜጋታት ንምርግጋጽ ይሰርሕ ከምዘሎ’ ገሊጾም።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ በጺሑ ዝተመለሰ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ዳንሻ ብወገኖም ‘ብህወሓት ይፍጽሙ ዝነበሩ ጌጋታት ሎሚ’ውን ይድገሙ ኣለው’ ክብሉ ቅሬተኦም ገሊጾም’ ይብል ።