ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወላዶ ትግራይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ብሰንኪ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ጸገም ምህላዎም ይገልጹ


ተወላዶ ትግራይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ብሰንኪ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ጸገም ምህላዎም ይገልጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:49 0:00

ተወላዶ ትግራይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ብሰንኪ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ጸገም ምህላዎም ይገልጹ

ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ዝመሃሩሎም ዩኒቨርሲቲታት ንዕረፍቲ ስለዝተዓፀዉ ናብ ዝኸድዎ ብምስኣን ኣብ ፀገም ከምዝወደቑ ተዛሪቦም። እቶም ተማሃሮ ብምኽንያት ዕፅዋ መንገዲን ስእነት መጓዓዝያን ኣብ ክልል ትግራይ ናብዘለው ስድረኦም ክኸዱ ከምዘይከኣሉ ድማ ይገልፁ። እቶም ተማሃሮ ወሲኾም ሚንስትሪ ትምህርትን ዝምልከቶም ኣካላትን ካብቲ ዝርከብሉ ቦታ ከውጽእዎም ወይ ናብ ስድረኦም ክወስዱዎም ሓቲቶም ኣለው።

ሚንስትሪ ትምህርቲ ብወገኑ እተን ዩኒቨርስቲታት ኣብ እዋን ዕረፍቲ ነቶም ተማሃሮ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል በጀት ከምዘይብለን ብምሕባር፣ ናብ ክልል ትግራይ ምለሱና ንዝብል ሕቶኦም ግን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝዝትይሉ ገሊጹ'ሎ።

እቶም ተማሃሮ ካብ ዝመሃሩለን ዩኒቨርሲቲታት ቅድሚ ምውጽኦም ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ሓቲቶም ዝረኸብዎ ምላሽ ንዓኻትኹም ንምቕላብ በጀት የብልናን ዝብል ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ሚንስትሪ ትምህርቲ፣ ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክፀንሑ ዝኽእሉ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራይ ከምዝኾነ ብምግላጽ ካብዚ ዝተፈለየ ኣሰራርሓ ከምዘይብሉ ኣመልኪቱ።ሓላፊ ጉዳያት ምምሕዳር ሚንስትሪ ትምህርቲ ዝኾኑ ኣቶ ዓብዶ ናስር ነቶም ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ክጸንሑ ምግባር ኣጸጋሚ እዩ ይብሉ።

"ብመሰረት እቲ ሕጊ ብስሩዕ ዝመሃሩ ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክፀንሑ ዝኽእልሉ ን10 ኣዋርሕ ጥራሕ እዩ።ነዞም ተማሃሮ ከነጽንሖም እንተበልና'ውን ዝኸውን ኣይኮነን፣ ናይ ክረምቲ ተማሃሮ ናብተን ዩኒቨርሲታት ዝኣትውሉ እዋን እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲታት ትግራይ ዝመሃሩ ዝነበሩ ናይ ክረምቲ ተማሃሮ ናብ ኩለን ዩኒቨርሲታት ኢና ኣእቲናዮም። እዚ ኣብተን ዩኒቨርሲታት ጾር ወሲኹ እዩ።ናይ በጀት ዋሕዲ ስለዘሎ ዩኒቨርሲታትና ነዞም ተማሃሮ እዚኦም ዘጽንሕሉ ዓቕሚ የብለንን። ከም ዜጋ እተን ዩኒቨርሲታት ቦታ እንተለዎም እንተዝሕግዘኦም ፅቡቕ ነይሩ ኢለ እሓስብ።"

ብዝሓደሮም ስግኣት ናብ ዝተመደቡለን ዩኒቨርሲታት ዘይከዱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ትምህርቲ ዘቋረፁ ተማሃሮ'ውን ኣለው። ካብኣቶም ሓደ ኣብ ፀገም ከምዘለውን ሚንስትሪ ትምህርቲ ፍታሕ ክህቦም ከምዘይከኣለን ይገልፅ።

ኣቶ ዓብዶ ናስር ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ክሳብ ሕጂ ነዚ ዝመስል ሕቶ ዘቕረበ አካል ከምዘይለ እንተኾነ እቲ ሚንስትሪ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብግቡእ ዝምልሰሉ ኣሰራርሓ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።

XS
SM
MD
LG