ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኹስን ነትጕን ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር ከተማ ባማኮ ምስምዑ ተሓቢሩ


ሎሚ ዓርቢ ኣጋ ወጋሕታ፣ ኣብ ጥቃ ርእሰ ከተማ ማሊ ባማኮ ኣብ ዝርከብ ማእከል ተደጋጋሚ ዕልዋታትን ህውከትን ዝነበረን ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ድምጺ ከቢድ ብረትን ነተጕትን ምስምዑ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ማሊ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ "ንዝተሃቀነ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ብብቕዓት መኪትናዮ፣ ነታጕ ዝጸዓና ክልተ መካይን ምስ ክልተ ነቲ መጥቓዕቲ ክፍጽሙ ዝፈተኑ ሰባት፣ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእቲና" ይብል።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ከተማ ነቲ ድምጺ ምስምዑ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG