ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኤርትራን ኢትዮጵያ ንዒድ ኣል-ኣድሓ ጸንቢሎም


መበል 1442 ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገጠራትን ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዓቢይ መስጊድን ካልኦት መሳጊድን ዝተኸብረ በዓል፡ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር፡ ናይ ባርኾት ቃል ዘስምዑ ክኾኑ ኸለዉ፡ ብመሰረት ሓበረታ ትዊተር ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እቲ ስነ ስርዓት ብውሱናት ተሳተፍትን ንመምርሕታት ኮቪድ 19 ዝተኸተለን`ዩ ኔሩ ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ እቲ በዓል ኣብ ስታድየም ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖትን ኣጋይሽን ዝተረኽብሉን ብድሙቕ ኣገባብ ዝተኽብረን`ዩ ኔሩ። ኣብ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ እስልምና ኢትዮጵያ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሙፍትን ሓጅ ዑመር እድሪስ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ዓረፋ ናይ ቤተሰብ ሓድነትን ሓባራውነትን በዓል`ዩ ኢሎም።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ናይ ኣደባባይ በዓላት ተሓሪምዋ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ናይ ሎሚ ዒድ ግን ብፍሉይን ብድሙቕን ኣገባብ`ያ ኣኽቢራ። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ`ዮም ኣብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣከባብራ ዒድ ተረኺቦም ኔሮም።

ኣብ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ እስልምና ኢትዮጵያ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሙፍትን ሓጅ ዑመር እድሪስ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ብዛዕባ ትርጉም ዒድ ኣል ኣድሓ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም፡"ዒደል-ፈጥርን ዒደ ኣልድሓን ብብዙሕ ነገራት ይራኸቡ`ዮም፡ ብሶላት፡ብተክሊላ፡ ናብ ቦታ ሶላት ብምኻድ፡ ይመሳሰሉ`ዮም፡ ዒድ ኣልድሓ ዝፈልዮ ግን፡ ንግሆ ቅድሚ ሶላት ምብላዕ ዘይፍቀድ ምዃኑ`ዩ" ዝበሉ ሓጅ ዑመር፡ ዓረፋ ናይ ቤተሰብ ሓድነትን ሓባራውነትን በዓል ምዃኑ`ውን ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ በዓል ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኑ ዝተረኽበ ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብምኽትል መዓርግ ምኽትል ከንቲባ፡ ኣካያዲ ስራሕ-ምምሕዳር ዝኾነ ኣቶ ጥራቱ በየነ፡ በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ፡ዓረፋ ፡ናይ ምትሕልላይን ምድግጋፍን በዓል`ዩ ድሕሪ ምባል ሙስሊም ሕብረተሰብ ንህንጸት ሓጽቢ ሕዳሰ ንዘበርከቶ ኣበርክቶ ምስጋና ኣቕሪቡ::

ሎሚ መዓልቲ ነዚ ክቡር በዓል ብኸምዚ ኣገባብ ተኣኪብኩም ክተኽብሩ ኸለኹም፡ እቲ በዓል ናይ ፍቕሪ፡ ናይ ሓቢርካ ምንባር፡ ከምኡ`ውን ሃገርና ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴ ዛዚማ፡ ብፍላይ ድማ ንስኻትኩም ኣመንቲ እስልምና፡ ሓጽቢ ሕዳሰ ናተይ`ዩ ብዝብል መንፈስ፡ ንኢትዮጵያ ዘለኩም ሓልዮትን ቆራጽነትን ዘርኣክምሉ ብምዃኑ፡ ኣብ ኩሉ ዓለማዊ መድረኽ ንዘርኣኽምዎ ኣበርክቶ፡ ነመስግን ኢሉ።

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መርበብ ሓበረትኡ ከምዝሓበሮ እቲ በዓል ብዘይ ዝኾነ ናይ ጸጥታ ሽግር ተፈጺሙ`ሎ ።

ኣብ ኣምቦን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን`ውን ዓረፋ ብዝግባእ ምኽባሩ ወኪላትና ሓቢሮምና`ለዉ።

ብኻልእ ወገን ካብ ናይ ኣስመራ ወኪልና ክንሰምዕ እንተዘይክኣልና`ኳ፡ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ`ቲ ዓቢይ መስጊድ ኣስመራ፡ ንመምርሕታት ምክልኻል ኮቪድ ብዝተኸተለ ኣገባብ ምኽባሩ ካብ ትዊተር ሚንስትሪ ዜና ክንፈልጥ ክኢልና`ለና፡ ነቲ ናይ ሶላት ስነስርዓት ዝመርሑ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር፡ ምዃኖም`ውን ሓበረታ ሚንስተር ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣመልኪቱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG