ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተካኢ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣብ ወርሒ መስከረም ክፍለጥ’ዩ


ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ሓላፍነት መሪሕነት ሰልፎም ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምውራዶም፡ተካኢኦም ኣብቲ ሓጎጽጎጽ ዝመልኦን ዕልቕልቕ ተወዳደርቲ ዝርኣዮ ዘሎን ምርጫ ን5 መስከረም ክፍለጥ’ዩ።

ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝዀነ 1922 ኣባላት ድምጾም ክህቡ’ዮም።

እቲ ኣገባብ ምርጫ በበይኑ እብረን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዙርያ ዝህሉ ምጕዳል ሕጹያትን ክህሉዎ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ንቦታ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ነብሶም ዘቕመጡ ድሮ 11 ሕጹያት በጺሖም ኣለዉ። ካብ መዝነቶም ዝወርዱ ዘለዉ ቦሪስ ጆንሶን ግን ዛጊት ንሓደ ካብኣቶም እኳ ደገፎም ኣይሃቡን።

ቦሪስ ጆንሶን 50 ኣባላት ካቢነ መንግስቲን ወሰንቲ ሰበ-ስልጣንን፡ በቲ ዝተራእየ ቅልውላው፡ ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ብፍቓዶም ምእላዮም’ዮም ንሶም’ውን ካብ መዝነቶም ክለቁ ተገዲዶም።

XS
SM
MD
LG