ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

13 ተአሲሮም ዝጸንሑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብነጻ ተለቒቖም


ኮሌኔል ገመቹ ኣያና ዝርከቦም ተኣሲሮም ዝጸንሑ 13 ላዕለዎት ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ሎሚ ቤት ፍርዲ ብናጻ ኣሰናቢቶም ኣሎ።

ክሶም ሽበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺምኩም ኣተሓባቢርኩም ከምኡ`ውን ኣዋፊርኩም ዝብል ምንባሩ ጠበቕኦም ኣቶ ቱሊ ባይሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ።

እቶም ተኸሰስቲ ብፍላይ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ወለጋ ከምኡ`ውን ኣብ ምዕራብ ሸዋ፡ ምስ መሪሕነት 'ኦነግ ሸኔ' ብምትሕብባር ንክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብሓይሊ ንምውራድ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ነቲ ሕብረተሰብ ብምሽባር ዝብል ናይ ሽበራ ክሲ ተመስሪትዎም ምጽንሑ ጠበቕኦም ኣፍሊጡ`ሎ። እቶም ተአሲሮም ዝጸንሑ ሰባት ድሕሪ ክልተ ዓመት ብናጻ ተለቒቖም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG