ዋሽንግተን —
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢራን፣ ቻይናን ሩስያን ዝካየዱ ዘለዉ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣቓልቦ ኣብ ዴሞክራስያውያንን ውልቀ መለኽቲ ስርዓታትን መፅናዕቲ ዘካይዱ ተንተንቲ ስሒቦም ይርከቡ። እቶም ተንተንቲ ከምዝብልዎ ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት ዘለዉ ስርዓታት ውልቀ መለክቲ ኣዝዩ ድልዱል መሰረት ዘለዎም ብምዃኑ ንኽወድቁ ሓደ ሓደ ኩነታት ቀዲሞም ክመዓራረዩ ከምዝግባእ ይሕብሩ።
ኣብ ኢራን ምስ መሸፈኒ ፀጉሪ ርእሳ ተተሓሒዙ ቐይዲ ፖሊስ ዝ ኣተወትን ኣብ ኡ ከላ ዝሞተትኣብ ኢድ ፖሊስ እናሃለወት ህይወታ ዝሓለፈት ፪፪ ዝዕድሚኣ ማህሳ አሚኒ ስዒቡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቁ፟ፀሩ ኢራናውያን ናብ ፅርግያታት ብምውፃእ ተቃ፟ውሞኦም ይገልፁ ኣለዉ። ናታሻ ሃል ኣብ ማእከል ስትራቴጂክን ዓለም ለኸ መፅናዕትን ማእከላይ ምብራቅ ላዕለወይቲ ተመራማሪት እያ ።