No media source currently available
ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፣ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝቀጸለ ውግእ ትሑት ቆላሕታ ረኺቡ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ብተኸታታሊ ዘጋጥሙ መጥቓዕታት፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘጋጠሙ ውጥረታት፣ ኣብ’ታ ሃገር ካልእ ግንባር ንከይፈጥር ስግኣት ኣሎ።