ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተንተንቲ: ኣብ መማዕበሊ ኑክሌር ኢራን ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ንመርገጺ ኢራን ምስ ኣሜሪካ ኣብ ተኻይዶ ዘተ ዘዳኽም'ዩ ይብሉ


ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ቬና ንካልኣይ ዙር ዘይቀጥታዊ ልዝብ ንምክያድ ኣብ ዝቀራረብሉ እዋን፣ ገለ ተንተንቲ ግና "ኣብ ልዕሊ ዩክለራዊ ትካል ናታንዝ ሰንበት ዝተፈጸመ ውድቲ ዝሓዘለ መጥቓዕቲ፣ ንመርገጺ ኢራን ኣዳኺምዎ እዩ "ክብሉ ከለው ካልኦት ግና "ኢራን ትህበሉ ግብረ መልሲ እዩ ወሳኒ" ይብሉ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃዉስ ጄኒ ፒሳኪ ከምዝበለቶ ኣሜሪካ ነቲ ብተዘዋዋሪ ዝካየድ ዘተ ሕጂ'ውን ሮቡዕ ኣብ ዋና ኸተማ ኦስትሪያ ቬና ከምዝካየድ እያ ትፅቢት ትገብር ኢለን ።

"እቲ ኣብ ናታንዝ መማዕበሊ ኒኲለር ኢራን ዘጎነፈ ሪፖርት ሰሚዕና ኢና ። ኣሜሪካ ብዝኾነ መልክዑ ኣብቲ ተግባር ኢድ የብላን ። ነቲ ኣብዚ ሰሙን ሮቡዕ ኣብ ቬና ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝርከብ ካብ ዝሓለፈ ዝቀፀለ ዘተ ኢና ጠመተ ገይርና ዘለና ኣፀጋሚን ነዊሕ ጊዜ ዝወስድን ክኸውን ከምዝኽእል ንግምት ። ብዛዕባ እቲ ዘተ ስጋብ ሕጂዝበፅሓና ሓዱሽ ለውጢ የለን:: "

ክልቲኤን ሃገራት ቀዳማይ ዙር ዘተአን ካብ ሚያዝያ 6- 9 ተወከልቲ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን ፣ቻይናን ሩስያን ኣብዝተረኽብሉ ኣብ ቬና ተራኺበን ምክያደን ዝዝከር እዩ ። በቲ ዝካየድ ዘሎ ዘይስሩዕ ዘተ ኣሜሪካን ኢራንን ነቲ ኣብ 2015 በፂሐንኦ ዝነበራ ስምምዕ ኣሜሪካ ኮነ ካልኦት ሓያላት ሃገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረኦ እገዳ ክቅንሳን ኢራን ድማ ንመስርሕ ኲናት ከገልግሉ ዝኽእሉ ምንቅስቃሳት ኒኲለር ደው ከተብልን ናብ ዝብል ስምምዕ በብወገነንይፍትና ኣለዋ ። ።ኣብ 2018 ዋሽንግተን ነቲ ተበፂሑ ዝነበረ ስምምዕ ብምጥሓስ ብፕረዚዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ተደራረብቲ ማዕቀባት ኣብ ልዕሊ ቴህራን ከንምብሩ ከለዉ ኢራን ድማ ድሕሪ ዓመት ጥሙር ተግባራዊ ትልሚ ብምባል ዝፍለጥ ዓቀን ውዕል ስምምዕነት ብምጥሓስ ግብረመልሲ ሂባ 'ያ ።ኢራን ድሕሪ እቲ ብሰንበት ኣብመማዕበሊ ኒኲለር ሓደጋ ምብፅሑ ስዒቡ ነቲ ኣብ ቬና ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝርከብ ካልኣይ ዙር ዘተ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ለውጢ የለን ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ ኣብ መማዕበሊ ኒኲለር ኢራን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቁራፅ ስራሕ ከተዓናቅፍ ፈቲና ክብሉ ንቀንዲ ተፃባኢቶም እስራኤል ይኸሱ ።ከምኡ'ውን "ተግባር ግብረ ሽበራ " ክብሉ ፀዊዖምዎ ። እስራኤል ብወገና ቅድም ክብል ሚልሻ ኢራናውያን ኣብ ዶባትታ ካብ ዘብፅሕዎ ሓደጋ ንርእሳ ከምትከላኸል ገሊፃ እኳ ተነበረት ኣብ ልዕሊ ኢራን ሰበስልጣን እስራኤል ሓላፍነት ወሲዶም ኣይፈልጡን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG