ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተንተንቲ: ናይ ዓረብ ኢማራት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ተሳቲፈን ዝብል መረዳእታ የለን ይብሉ


ኣብ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ናይ ዓረብ ኢማራት ድሮን ማለት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣለዋ ግን ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ተሳቲፈን ዝብል መረዳእታ የለን ኢሉ ሓደ ተንታኒ ጸጥታ። መራሕቲ ህወሓት ናይ ዓረብ ኢማራት ድሮን ኣብ ክልል ትግራይ ደብዲበን ምባሎም ይዝከር። ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኩናት ናይ ባዕሉ ድሮን ኣዋፊሩ ምንባሩ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ዩ።

ዊም ዝዊነርበርግ ኣብ PAX ዝተባህለ ብዛዕባ ወታሃደራዊ ቴክኖሎጂ ዘጽንዕ ትካል ዳይሬክተር ፕሮጀክት ሰብኣዊ ምፍታሕ ኣጽዋር'ዩ።

ብናይ ኣሜሪካ ‘ፕላነት ላብ’ ዝተባህለ ዝውሰድ ናይ ሳታላይት ስእልታት ከጽንዕ ጸኒሑ'ሎ። ንሱ ብዓረብ ኢማራት ዝእዘዛ ድሮን ማለት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ከምዘለዋ ይገልጽ። እተን 20 ሜትሮ ክንፊ ዘለወን ዊንግ ሎንግ ቁጽሪ 2 ዝተባህላ ስርሒት ቻይና ዝኾና ነፈርቲ ፥ ቦምብ ንምድርባይን ንሚሳይላት ናይ ምህራምን ብቕዓት ከምዘለወን'ውን ይገልጽ።

እንተኾነ ይብል ንሱ፥ እተን ናይ ኢማራት ዓረብ ድሮን ኣብ ኢትዮጵያ ምብራረን ዝኾነ ምልክት ክንረክብ ኣይክኣልናን ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሓሙሽተ ሽሞም ዘይጠቐሶም ዲፕሎማት ከም ምንጪ ተጠቒሙ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝዘርግሖ ዜና፡ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ምስታፎም ዘመልክት ኮይኑ'ሎ።

ሮይተርስ: ኣብቲ ወርሒ ዝገበረ ብመሰረት እምነት ኣሜሪካ ተሳትፎ ኤርትራ ምንባሩ ዘርኢ ኩናት ፥ናይ ሳታላይት ስእልታትን ዝተጠልፈ ርክባትን መረዳእታ ኣሎ ካብ ክልል ትግራይ ዝስማዕ'ውን ኣሎ ይብል ።


ፖለቲከኛ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፥

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ሕጂ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ኣዕናዊ ኩናት ነተን ኣብ ዓሰብ ዝርከባ ድሮን ዓረብ ኢማራት የሳትፈን ኣሎ ኢሉ ኔሩ።

ተሌቪዥን ክልል ትግራይ'ውን ድሮንን ኣብ ኣፍሪቃ ዘየለን ቴክኖሎጅን ዘለዎ ዘመናዊ ኣጽዋራት ኣብ ምጥቃዕ ክልል ትግራይ ውዒሉ ክብል ኣብ ፈይስቡኩ ደጊምዎ'ዩ።

ኢትዮጵያ ንስትራተጂካዊ ዒላማታት ክልል ትግራይ ከምዝደብደበት ኣፍሊጣ'ያ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ዪልማ መርዳሳ፥ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ ነፈርቲ ኩናትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ምጥቃሞም ኣፍሊጡ'ዩ።

ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ"ንባዕላትና ኣሰልጢናን ዓጢቕናን ኢና፡ ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ድማ ስራሕና ንፍጽም ኣለና፡ ካልእ ዝብሃል ንምድንጋር'ዩ። ንጸላኢ ባዕልና ብዝሃነጽናዮ ሓይሊ ኢና ንድምስሶ ዘለና" ኢሉ ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ራብዓይ ዝዓበየ ሓይሊ ኣየር ኣለዋ ዝበለ ተንታኒ ጸጥታ ዝዊነንበርግ ብወገኑ፥

ብሰብ ዝበራ ነፈርቲ' ስትራተጂክ ዒላማታት ክሃርማ ምበር ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጠቕሚ ምውዓለን መረዳእታ የብልናን ይብል።


ስለዚ ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ፥ ካብ ናጻ ሓበረታን ካብ ናይ ሳታላይት ስእልታትን ንምርግጋጽ ምስራሕ ጽቡቕ'ዩ ኢሉ።

ኣብቲ ኩናት ዓወት ዝኣወጀ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፥ ሰሜናዊ እዚ ስለ ዝተጠቕዐ እቲ ኩናት ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተወስደ ስጉምቲ'ዩ ይብል።

ህወሓት ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ውግእ'ዩ ብምባል ሓይልታቱ ምውግኦም ከምዝቕጽሉ ኣፍሊጡ'ዩ።

ዊም ዝዊነንበርግ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዝገበሮ ቃለ ምጠይቕ፥ ኣብ ግጭት ትግራይ ዝኾነ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ናይ ድሮን ጣልቃ ብኣህጉራዊያን ተዓዘብቲ ከይተራእየ ክሓልፍ ዘይመስል'ዩ ኢሉ'ሎ።

XS
SM
MD
LG