ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ፈረንሳ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ኣብ መንጎ ሃገራውነትን ዓለማውነትን ዝተኻየደ ተገይሩ`ዩ ተራእዩ። መሻርኽቲ ፕረዚደንት ባይደን ፕረዚደንት ኤማኑኤል ማክሮን ብምስዓሩ ድማ፡ ደምበ ዓለማውነት ስዒሩ`ሎ ክብሃል ይክኣል።
ተንተንቲ ኣመሪካ`ውን ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር መንፍቓዊ ምርጫ ንክትገብር ኣብ ትቀራረበሉን፡ ፓርቲ ፕረዚደንት ባይደን ከቢድ ውድድር ኣብ ዝጽበዮ ዘሎን እዋን፡ ኣመሪካ ካብቲ ናይ ፈረንሳ እንታይ ክትምሃር ትኽእል ይብሉ፡፡
ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ ዓወት ፕረዚደንት ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን ሓጎሱ ገሊጹ`ሎ፡፡
"ብዛዕባ ምርጫ ፈረንሳ ጽቡቕ ተሰሚዑና`ሎ" ዝበለ ባይደን ምኽንያቱ `ውን ክገልጽ ፈቲኑ ኔሩ`ዩ።
ሩስያ ንዩክሬን ምውራራ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝዓበየ ጸጥታዊ ስግኣት ኣጋጢምዎ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ዓወት ማክሮን ንኣጀንዳ ባይደን ዝድረዕ ኮይኑ ተራእዩ`ሎ።
ናይ ነዊሕ መሓዛ ኣመሪካ ዝኾነት ፈረንሳ፡ ኣብቲ ኣንጻር ሩስያ ዝግበር ዘሎ ኣካይዳ ኣብ ጎኒ ኣመሪካ ደው ኢላ`ያ፡ ማክሮን`ውን ከም ሓደ ቀንዲ ሸምጋሊ ጌሩ ንነብሱ ኣቕሪቡ`ዩ። ባይደን ድማ ኣብ ዝሰደደሉ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ነዚ ኣንጸባሪቕዎ`ሎ።
ካልኦት መራሕቲ ዓለም`ውን ነቲ ውድድር ብተመሳሳሊ ዓይኒ ዝረኣይዎ ይመስሉ፡ ንማክሮን ምድማጽ ከም ንደሞክራሲ ምድማጽ `ዩ ንሕጊ ዝመሰረቱ ዓለማዊ ሕጊ ይብሉ።
ገለ ተንተንቲ`ውን ፈረንሳውያን ኣድመጽቲ`ውን ከምኡ ዝበለ ኣረኣእያ ከምዘለዎም ይጠቕሱ። ፒየር ማርኮስ ኣብ ማእከል ስትራተጅን ኣህጉራዊ መጽናዕትን ዝሰርሕ ዘሎ`ዩ፡“ፈረንሳ ካብ መጀመርታ`ቲ ወራር፡ ብሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝውሃብ ዝነበረ ምላሽ ጸረ-ወራር ሩስያ ፡ዋና ሃንዳሲት ኮይና ጸኒሓ`ያ። ስለዚ እዚ ምርጫ`ዚ ንኻልኦት መራሕቲ ኤውሮጳ`ውን ዘሐጉስ ምዃኑ ንጹር`ዩ። ፈረንሳ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ምላሽ`ውን ሃንዳሲ ተራ ሒዛ ከምትቕጽል ዘርኢ`ዩ" ይብል።
ናይ ኣመሪካ ግን ፍሉይነት ኣለዎ። ባይደን ካብ ኣድመጽቲ ዝተሓዋወሰ ርእይቶታት`ዩ ዝመጾ ዘሎ። ብመሰረት ኣይፕሶስ ዝተባህለ ትካል ዝኣከቦ ኣሃዛዊ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ሩስያ ዘለዎ ኣተሓሕዛ 37% ክድግፍዎ ከለዉ፡ ብዛዕባ ዩክሬን ዘለዎ ኣተሓሕዛ 46% ደጊፎሞ።
ተንተንቲ፡ ናብ ጸጋማዊ ክንፊ ዝዘንበለ ፓርቲ ባይደን፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ መንፍቓዊ ምርጫ ክዕወት እንተኾይኑ፡ ካብታ ወላ እንተዘይተዓወተት`ውን ካብ ዝሓለፈ ዝሓሸ ድምጺ ዝረኸበት መወዳድርቲ ማክሮን ዝነበረት ማሪን ሊ ፐን ክምሃር ኣለዎ ይብሉ።
ሰሊያ በሊን፡ ኣብ ብሩኪንግስ ኢንስቲቱት፡ ተመራማሪት`ያ፡ንሳ “ካብቲ ክውሰድ ዝኽእል ትምህርቲ ሓደ፡ ብዛዕባ ዕለታዊ ናብራ ደቂ-ሰባት`ውን ምስትብሃል`ዩ። እዚ ብድሕሪ`ቲ ሃገራውነት ድዩ የማናይ ክንፊ ዝብሃል ነገር ተኸዊሉ ዘሎ`ዩ። ሰባት፡ ክብሮም ተሓልዩ ሰሪሖም ክኣትዉ ይደልዩ፡ ዓቕምታት ናብርኦም ከመሓይሹ ይደልዩ። ስለዚ ማሪን ሊ ፐን ነዚ ዝተረደኣቶ ይመስለኒ፡" ትብል።
ሕጂ ኣብ ምርጫ ፈረንሳ ተዓዊቱ ዘሎ ፕረዚደንት ማክሮን፡ ፓለቲካ ነዊሕን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ዘለዎን ምዃኑ ኣብ ዝርድኣሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ድማ ቅድሚ`ቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር ዝግበር መንፍቓዊ ምርጫ ፡ብዙሕ ጉዕዞ ከምዝጽበዮ ይግመት።