ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተነጸልቲ ካሜሮን ኣባል ፓርላማ ይጨውዩ


ዝተጨወየት አባል ፓርላማ
ዝተጨወየት አባል ፓርላማ

ኣምባዞኒያ ብዝብል ስም፡ ንምንጻል ካብ ካሜሮን ዝቃለሱ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ብዓርቢ ንኣባል ፓርላማ እታ ሃገር ድሕሪ ምጭዋዮም፡ ንኽፈትሑዋ 47 ላዕለዎት እሱራቶም ክፍትሑ ይጠልቡ ኣለዉ።

እቶም ተቓለስቲ ብዓርቢ’ዮም ናብታ ዋና-ከተማ እቲ ኣውራጃ ዝዀነ ባመንዳ ንኣባል ፓርላማ እታ ሃገር ረጂና ሙንዲ ጨውዮማ። ናብ መርዓ ቤተ-ሰብ ንምስታፍ ትኸይድ ዝነበረት በዓልቲ ስልጣን ድማ ምስ መራሕ መኪናኣ፡ ብከበድቲ ብረት ዝሓዙ ተጨውያ። ኣብ ማሕበራዊ ገጻት በቶም ዕጡቓት ኣብ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ እታ ኣባል ፓርላማ ኣብቲ ርዒዳን ደኺማን እንከላ ዘርኢ ምስላ ከምዚ እናበለት ብዛዕባ ካብ ስልጣን ምልቃቓ ትዛረብ፤“ኣነ ረጂና ሙንዳይ ዝተባሃልኩ፡ ብትውልደይ ካብ ኣምባዞኒያ ዝዀንኩ፡ ካብ ሎሚ 30 ሚያዝያ 2022 ኣትሒዘ ካብ ዝነበረኒ መዝነት ወሪደ፡ ምስ ኣሕዋተይ ክቃለስ ወሲነ ኣለኹ። ቃልሰይ ድማ ኣንጻር’ቶም ተዛረብቲ ፈረንሳይ’ዩ።”

እቶም ተቓለስቲ ወሲኾም ኣብ ውሑስ ቦታ ከም ዘላ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ካብቲ ዝነበራ መንግስታዊ መዝነት ምልቃቕ ብምእባያ ክጨውዩዋ ከም ዝወሰኑ’ውን ይገልጹ።

ነታ ኣባል ፓርላማ ናጻ ክለቍዋ እንተዀይኖም፡ ከም መተካእታ ኣብ በበይኑ እዋናት ብመንግስቲ ካሜሮን ዝተኣስሩ ላዕለዎት 47 መኮነናት እቲ ተቓላሲ ውድብ ክፍትሑ ጠለብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

መንግስቲ ካሜሮን ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ የሎን። ብዓርቢ ንዝተጨወየት ኣባል ፓርላማ ይደልዩ ከም ዘለዉ ግን ሚኒስትሪ ምክልኻል ካሜሮን ይጠቕሱ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2016 ዝጀመረ ጎንጺ ካሜሮን ንህይወት 3,300 ዜጋታት ክወስድ እንከሎ ን750-ሽሕ ዝኣክል ህዝቢ ድማ ኣማዛቢሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG