ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ገና ትሕቲ ትጽቢት ምዃኑ ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ


ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈራሓን ሓቅ
ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈራሓን ሓቅ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት፡ ብመዳያት ጸጥታን ሰብኣዊ ተበጻሕነት ኣዝዩ ኣሻቓሊን ተለዋዋጢን’ዩ ክብል ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈራሓን ሓቅ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ገለ ተመዛበልቲ ክልል ኣምሓራ ንስፍራኦም ይምለሱ ምህላዎም ዝሓበረ እቲ ወሃብ-ቃል፡ ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረታት መራኸቢታትን መጓዓዝያን ግን እቲ ቅኑዕ ቍጽሪ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ጠቒሱ: ኣብ ክልል ዓፋርን ምዕራብ ትግራይን እቲ ምምዝባል ይቕጽል ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ሰራሕተኛታት ረዲኤት ብናጻ ምንጪ ከረጋግጹዎ ዕድል ደኣ ኣይርከቡ’ምበር፡ ኣብ ኣላማጣን ደቡብ ትግራይን ብዛዕባ ዝተኻይደ መጥቃዕታት ድሮንን ነፈርቲን ሓበሬታ ከም ዝበጽሖምን ህይወት ሓያሎ ሰባት ምውሳዱ ከም ዝተገንዘቡን ‘ውን ኣመልኪቱ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚረን ናብ መቐለ ብመገዲ ዓፋር ዝኣተዋ ናይ ሓገዝ መካይን ከም ዘይነበራ ዝጠቐሰ እቲ ወሃብ-ቃል፡ 20 መካይን ሓገዝ ዝሓዘ ቃፍላይ ግን ንመወዳእታ ጸጥታዊ ምርመራ ኣብ ክልል ዓፋር ከም ዘሎን ኣብ ቀረባ እዋን ንመቐለ ክኣቱ ተስፋ ከም ዘለዎን ሓቢሩ።

ፈርሓን ሓቅ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ዓፋርን ትግራይን ሓገዝ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ማዕንቖ ኰይኑ ኢሉ ዝጠቐሶ፡ ስእነት ቀረባት ነዳዲ፡ ገንዘብን ምውሳኽ ብዝሒ ተመዛበልቲን’ዩ። በቲ ኣጋጣሚ ድማ ኣብቲ ኲናት ኢድ ንዘለዎም በበይኖም ኣካላት፡ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዛት መስመር ክኽፈቱ ጸዊዑ።

ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያን ሓደጋታት ደርቂ የንጸላሉ ምህላዉ’ውን ካልእ ሻቕሎት ምዃኑ እቲ ወሃብ-ቃል ገሊጹ'ሎ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ንኢትዮጵያ ዝደለ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብቲ ትጽቢት ዝገበረሉ መጠን ብ1.2 ቢልዮን ዶላር ትሒቱ ከም ዘሎ ጠቒሱ።

XS
SM
MD
LG