ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቛሪጹ ዝጸንሓ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ከተማ መቐለ ምጅማሩ ተገሊጹ


ን10 መዓልታት ተቛሪጹ ዝጸንሓ ናብ መዕረፎ ነፈርቲ መቐለ ይካየድ ዝነበረ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀዳም 25 ሰነ 2014 ዳግም ከምዝተጀመረ ተገሊፁ::

ድምፂ ኣመሪካ ካብ ክልተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘረጋገፆ እቲ ተቛሪጹ ዝነበረ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተጀመረን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ እውን መቐለ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዞ ከምዝጀመሩ ገሊፆም::

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍ ደገ ብኣገልግሎት ኣየር ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተለጠፈ ናይ ፅሑፍ ምልክታ እውን መዓረፎ ነፈርቲ መቐለ ዳግም ተኸፊቱ ይብል::

እቲ በረራ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ኢትዮጵያ "መንግስቲ ዘዳለዎ መድሓኒት: ናውቲ ሕክምናን ሃናፂ መግቢ ንህፃናት መዓልታዊ ዝለኣኽ ዝነበረ በረራ ህወሓት ንዘይተወሰነ ጊዜ መቐለ መዕረፎ ነፈርቲ ከይኣትው ኣጊዱ" ክብል ገሊፁ ነይሩ::

ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ብወገኑ እቲ "በረራ ዝተቛረጸ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ ስርሑ ክፍፅመሉ ዘኽእል ነዳዲ ስለዘየለ እዩ" ብምባል ሰብ መዚ ኣዲስ ኣበባ ኢሎ ንዝፀውዖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ "ነዳዲ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል መልክዑ ስለዝኸልከለ ዝተፈጠረ እዩ" ኢሉ ነይሩ::

XS
SM
MD
LG