ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓውሞ ሰልፊ ሱዳን ንራብዓይ ሰሙን ይቕጽል


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋና ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም: ብሰንኪ ናሕሪ ዋጋታትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝጀመረ ራብዓይ ሰሙን ዘቑጽር ዘሎ ሰልፊታት ተቓውሞ ሱዳን ኣብዚ ሕጂ እዋን ፕረዚደንት ኣልበሸር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልብ ኮይኑ’ሎ።

ብመሰረት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣክቲቪስት ዝተዘግሓ ምስሊታትን ሓበሬታን ዋላ’ዃ ሓይልታት ጸጥታ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኾሱ ሰልፈኛታት ናብ ኣብ ካርቱም: ኡምዱርማንን ባሕሪን ዝርከብ ኣብያተ ጸሕፈት መንግስቲ ከምዝተጓዓዙ ይሕብር።

ብተወሳኺ ኣብ ባሕሪ ዝርከብ መዋፈሪ ባቡር ዝበጽሑ ጉጅለ ሰልፈኛታት ንምብታን ፖሊስ ጥይት ናብ ላዕሊ ከምዝተኾሱ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ምግላጾም ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣብያተ ንግዲ ምዕናዎምን ሰልፈኛታት ጎማ ከምዘቓጸሉ ሓይልታት ጸጥታ ድማ ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባይቲ ከይተረፈ ምፍታሾም እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ገዳርፍ:ፋዊ: ኣሚርን ዳርፉን ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ትማሊ ሰንበት መንግስቲ ቁጽሪ ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝሞቱ 24 ምብጽሑ ዝገለጸ ክከውን ከሎ ጠቕላሊ ዓቕቢ ሕጊ ድማ 9 ካብቶም ዝሞቱ ኣብ ገዳርፍ ዝተረፉ ድማ ኣብ ኡምዱርማን ካልኦት ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባታት’ታ ሃገር ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ምዃኖም ሓቢሮም። እንተኾነ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 40 ከምዝበጽሕ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG