ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓዋሚ ፓርቲ ናይጀርያ ንውጽኢት ምርጫ ይነጽግ


ኣብ ናይጀርያ ንተቃወምቲ ወኪሉ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተወዳደረ ኣቲኩ ኣቡበከር፣ ኮምሽን ምርጫ’ታ ሃገር፣ ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተሳለጠ ኣካታዒ ምርጫ ዝሓዘሉ ኣገባብ ንዝቃወም ሰልፊ ከምዝመርሑ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ኣቲኩ ኣቡበከር፣ ነቲ ኣማኢት ሰባት ዝተሳተፍሉ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ትማሊ ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ምርጫ ብምኻድ ነበረ ዝፈጸሙ።

እቶም ተሰለፍቲ በቲ ስራሕ ናጻ ኮምሽን ምርጫ ቁጡዓት ከምዝኾኑ’ውንሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG