ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጎላ ዩኒታ ንዓወት ገዛኢ ፓርቲ ይነጽግ


መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጎላ ኣዳልበርቶ ኮንሳ ጁንየር
መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጎላ ኣዳልበርቶ ኮንሳ ጁንየር

ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጎላ ዩኒታ ፕረዚደንት ዦወል ሎረንሶ ንካልኣይ ናይ መዝነት ጊዜ: ገዛኢ ሰልፊ ኤም.ፒ.ኤል.ኤ ካብ ኣቐዲሙ ዝረኽቦ ዝነበረ ዝተሓተ ድምጺ ብምርካብ ንዝተዓወትሉን ምርጫ ዝቃወም ጥርዓን ብወግዒ ኣቅሪቦም።

ኣብ ኣንጎላ ቀንዲ ተቃዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ዝኾነ ዩኒታ ትማሊ ሰሉስ ንውጺኢት እቲ ምርጫ ተቃውሞኡ ከምዘቅረበ ገሊጹ'ሎ።

ብመሰረት ሕጊ ምርጫ ኣንጎላ ዩኒታ ዘቕረቦ ናይ ጽሑፍ ጥርዓን እንተተነጺጉ እቲ ሰልፊ ተቓውሞኡ ናብ ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ ይኽእል እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ኸኣ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ውሳነ ክህብ ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG