ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ዚምባብወ ንውጽኢት ምርጫ ይነጽጉ


ተቓወምቲ ዚምባብወ ፕረዚደንት ኢመርሰን ሙናንጋግዋ ምዕዋቶም ዝገልጽ ውጽ ኢት ምርጫ ተጭበርቢሩ’ዩ ክብሉ ይነጽጉ።

ብመሰረት ኮሚ ሽን ምርጫ’ታ ሃገር ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን መጀመርያ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ሃገራዊ ምርጫ ፕረዚደንት ሙናንጋጓ 50.8ሚእታዊት ብምርካብ ምዕዋቶም መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ኔልሰን ቻሚዛ ድማ 44.3 ሚእታዊት ምርካቡ ሓቢሩ’ሎ።

መራሒ ተቓወምቲ ቻሚዛ ሎሚ ዓርቢ ዋና ከተማ ሃራረ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃብሉ እቲ ምርጫ “ዘይተረጋገጸ ዝተጭበርበረ ውጽ ኢት’ዩ “ ዝበሉ ኮይኖም እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ’ውን ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ምብታኑ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ዘጋጠመ ፖሊስ ንጋዜጣዊ መግለጺ ቻሚዛ ሸፈነ ንምሃብ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝበተንሉ እዋን’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ን40 ዓመታት ንዚምባብወ ዝመርሑ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብወታሃደራዊ ዕልዋ ምስ ተአልዩ ብሰልፊ ዛኑ ፒ ኤፍ ፕረዚደንት ኮይኖም ዝተመዘዙን ነዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ምዕዋቶም ዝግለጽ ዘሎ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ሙናንጋዋ ግን ንውጽኢት’ቲ ምርጫ “ሓድሽ ጅማረ ንዚምባብወ’ዩ “ ክብሉ ንኢዶም።

ተቓወምቲ ግን እቲ ምርጫ ተጭበርቢሩ’ዩ ብምባል ካብ ረቡዕ ብዝጀመርዎ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ክልተ ሰባት ምሟቶም ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG