ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ኮንጎ ብዘካየድዎ መጥቓዕቲ 12 ሰላማዊያን ሰባትን 1 ወታሃደር ምሟቶም ተገሊጹ


ተቓወምቲ ኮንጎ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል’ታ ሃገር ብዘካየድዎ መጥቓዕቲ 12 ሰላማዊያን ሰባትን 1 ወታሃደር ምሟቶም ሰበ ስልጣን’ቲ ዞባ ሓቢሮም።

“ ሃንደበት ኣብ ገዝኦም ከለው’ዩ እቲ መጥቓዕቲ አጋጢሙ” ክብሉ ኣመሓዳሪ ግዝኣት በኒ ዶናት ካሳረካ ኪብዋማ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊጾም።

መጥቓዕቲ ሕብረት ሓይልታት ዲሞክራሲ ኣሉጋፓ 25 ኪ.ሜ ካብቲ ዝበዝሓ ጊዜ ዒላማ ትኸውን ከተማ በኒ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ሓንቲ ዓዲ ዘጋጠመ ክከውን ከሎ ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ንከተማ በኒ ኣብ ዝበጽሕሉ ዝነብረ ዘጋጠመ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብታ ብባህርያዊ ንጥረ ነገራት ሃብታም ዝኾነ ምብራቓዊ ክፋል ኮንጎ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ከምዘለውን በብእዋኑ ብዘካየድዎም መጥቓዕትታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት መነባብርኦም ሃዲጎም ክስደዱን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱ ሰብ ሞያ ሕክምና’ውን ንዝረአ ሕማም ኢቦላ ክቆጻጸርዎ ከምዘይከአሉ ይገልጹ።

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ ሲቪል ማሕበረሰብ ሕብረት ሓይልታት ዲሞክራሲ ካብ ወርሒ ጥቕምቲ ክሳብ ሕጂ ብዘካየዶ መጥቓዕቲ ኣስታት 300 ሰባት ምሟቶም ይሕብር።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት በኒ ኪብዋማ ኣብዚ ሕጂ እዋን መጥቓዕቲ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ቁጽጽር ከምትርከብ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG