ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ሱዳን ጠለቦም ክሳብ ዝማላእ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም


ተቓወምቲ ሱዳን ጠለቦም ክሳብ ዝማላእ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:25 0:00

ተቓወምቲ ሱዳን ጠለቦም ክሳብ ዝማላእ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም

ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ሱዳን ዋላ’ዃ ወከልቶም ምስ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ልዝብ እንተቐጸሉ ጠለቦም ክሳብ ዝማላእ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ከምዝቕጽልዎ ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጦም።

ኣብ መንጎ ተወከልቲ ተቓወምቲን መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝካየድ ልዝብ ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ደው ምባሉን ብሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ዋና ከተማ ካርቱም ዝተነብሩ ዕንቕፋታት እንተተላዕሉ’ውን ሰልፈኛታት ግን ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሮም ነቲ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ቀጺሎሞ ኣለው።

ኣዋጅ ሓይልታት ናጽነትን ለውጢን ዝተባህለ ሕብረት ተቓወምቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር ኣብ ሲቪላዊ መሪሕነት’ታ ሃገር “ዝተወሰነ መዝነት ክህልዎ ኣለው” ብምባሎም ምስ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ዘይምኽኣሎም ይፍለጥ።

ሓደ ካብ ሰልፈኛታት መሃነድ ሑሴን ህዝቢ ንናይ 30 ዓመታት መሪሕነት ዑመር ኣልበሽርን ዝሰዓበ ናይ ተቓውሞ ኣዋርሕ “ብትዕግስቲ” ሓሊፉ’ዩ ስለዚ ዕላም ክሳብ ዝወቕዕ ተቓውምኡ ክቕጽል’ዩ ኢሉ።

ካልእ ኣሕመድ ዮሱፍ ዝተባህለ ሰልፈኣ ድማ ዋላ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ነቲ ልዝብ “እንተናውሐ’ኳ” ጠለቦም ከምዘይቕየር ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG