ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ሱዳን ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር መዝነቱ ከረኽብ ይጠልቡ


ናይ ተቓውሞ ምንቅስቃስ ሱዳን ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር መዝነቱ ንሲቪላዊ መሪሕነት ክረኽብ ዝጠልብ ሰልፊ ኣብ መላእ ከተማ ካርቱም ሎሚ ሓሙስ ምክያዶም ተገሊጹ’ሎ።

ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝተሳተፉ ኽኮኑ ከለው ጭርሖታትን ጽሑፋትን ብምሓዝ ናብ ጎደናታት ምውጽኦም ተፈሊጡ’ሎ።

ሓይልታት ንምእዋጅ ነጻነትን ለውጢን ዝተባህለ ብማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ዝምራሕ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ መሪሕነት ጸቕጢ ንምፍጣር “ ናይ ሚልዮን ሰባት ሰልፊ” ዝብል ሰልፊ ምጽውዖም ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ጉዳይ ምምስራት ነጻ ዝኾነ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ተቓወምቲ ምስ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ልዝብ ከካይዱ ዝጸንሑ እንተኾነ ኣብ ብዝሒን ተራ’ቲ ወታሃደራዊ መሪሕነትን ግን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይከአሉን።

ተቓወምቲ እቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት መዝነቱ ክቕጽል ይክእል’ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎዎም ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG