ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ሱዳን ምስ ወታሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገር ኣብ ስምምዕ ብዘይምብጽሖም ኣብ መላእ’ታ ሃገር ተቓውሞ ክካየድ ይጽውዑ


ተቓወምቲ ሱዳን ምስ ወታሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገር ኣብ ስምሞ ብዘይምብጽሖም ኣብ መላእ’ታ ሃገር ተቓውሞ ክካየድ ይጽውዑ

ቀንዲ ተቓዋሚ ጉጅለ ሱዳን ምስ ወታሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገር ንዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ክካየድ ዝጸንሓ ልዝብ ብዘይ ስምምዕ ብምብታኑ ንሎሚ ሶሉስ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጸዊዑ ።

ሕብረት ተቓወምቲ ነቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ እዋን ዝመርሕ ቤት ምኽሪ ሉዓላዊነት ብሲቪላዊ አካል ክምራሕ ክጠልቡ ጸኒሖም’ዮም።

ይኹን ደአ እምበር ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ወታሃደራዊ ሓይሊ’ታ ሃገር ነቲ ናይ ምስግጋር እዋን ክመርሕን ዝበዝሓ ድምጺ’ቲ ቤት ምኽሪ ምሓዝ ይደልይ’ዩ ክብል ይኸስስ።

እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ ሲቪላዊ ምምሕዳር ማለት ምሉእ ብምሉእ ብሲቪላዊ መሪሕነት ምምሕዳር ማለት’ዩ። እዚ ማለት ድማ ዝበዝሓ ድምጺ ንሲቪላዊ መሪሕነት ማለት’ዩ” ኢሉ’ሎ። ስለዝኾነ ድማ’ቲ ማሕበር ኣብ መላእ’ታ ሃገር ተቓውሞ ክካየድ ጸዊዑ’ሎ።

ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታትን ቁጠባዊ ጸገማትን ዝጀምረ ተቓውሞ ንኣዋርሕ ምስ ቐጸለ ነታ ሃገር ን30 ዓመታት ዝመርሑ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ኣልዩ፡ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ድማ ነታ ሃገር ዝመርሕ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ መስሪቱ። ሱዳናዊያን ተቓወምቲ ግን ኣብ ጎረቤት ግብጺ ዘጋጠመ ኣብ ሃገሮም ከይድገም ዘለዎም ሻቕሎት ይገልጹ ኣለው ።

እቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት’ውን አባላት ቤት ምኽሪ ሉዓላዊነት ቀንዲ ነጥቢ ዘይምስምማዕ ምኳኑ ኣይሓብኣን።

እቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ ታሪኻዊ ሓላፍነትና ብምፍላጥ ንትጽቢት ህዝቢ ሱዳንን ንዕላማ ሰውራ ወርሒ ታሕሳስ ንምምላእን ኣብ ህጹጽ ስምምዕ ንምብጻሕ ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ’ሎ።

ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መሪሕነትን ልዝብ መዓስ ከምዝቅጽል ግን እቲ መግለጺ ኣይሓበረን።

XS
SM
MD
LG