ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቐዳዳሚ ጉያ ሞ ፋራሕ፡ ብቘልዓኡ፡ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ምዃኑ ይሕብር


ኦሎምፒካዊ ተዓዋቲ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያ ሶማላዊ-እንግሊዛዊ ሞ ፋራሕ -ፋይል
ኦሎምፒካዊ ተዓዋቲ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያ ሶማላዊ-እንግሊዛዊ ሞ ፋራሕ -ፋይል

ኦሎምፒካዊ ተዓዋቲ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያ ሶማላዊ-እንግሊዛዊ ሞ ፋራሕ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ተጨውዩን ብዘይ ድሌቱን ከም ዝመጸ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ፋራሕ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ዝገለጾ ዛንታ፡ ወዲ ትሽዓተ ዓመት እንከሎ፡ ካብ ጂቡቲ ብዘይፈልጣ ሰበይቲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝመጸን፡ ሓቀኛ ስሙን መንነቱ ክቕይር ከም ዝገበረቶም ኣብቲ ሓድሽ ዶክመንታሪ ኣመልኪቱ ኣሎ። ወዲ ኣርባዕተ ዓመት እንከሎ ኣቦኡ ዝተቐትሎ ፋራሕ፡ ሓቀኛ ስሙ ሑሴን ዓብዲ ካህን ምዃኑ ከመልክት እንከሎ፡ ቅድሚ ናብ ካልእ ስድራ ምግዓዙ፡ እታ ጨውያ ዝወሰደቶ ሰበይቲ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ገይራ ሒዝቶ ምንባራ ይጠቅስ።

ተዓዋቲ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ ዝዀነ ሞ ፋራሕ፡ ሕጂ ኣብ “ሰር” ዝብል መዓርግ ተቐቢሉ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓደ ካብቶም ነታ ሃገር ዘጸውዑዋ ኣትሌታት’ዩ።

XS
SM
MD
LG