ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቋሪጹ ዝጸንሓ ህዝባዊን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከተማ አላማጣ ምጅማሩ ተገሊጹ


ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተቋሪፁ ዝነበረ መንግስታዊን ህዝባዊን ኣገልግሎታት ክቕፅሉ ከምዝተገበሩ ናይታ ከተማ ጊዚያዊ ኣማሓዳሪ ገሊፆም።

ናይታ ከተማ ግዚያዊ ከንቲባ ካሳ ረዳ ዝተቋረፀ ኣገልግሎት ካብ ምቕፃል ብተወሳኺ ዘይጀመሩ ክጅምሩ ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብቲ ከባቢ ፀጥታን ሕግን ናይ ምኽባር ዘዕግብ ስራሕ ተሰሪሑ ኣሎ ኢሎም ኣለው።ብብዝሒ እንተዘይኮነ’ዃ ካብ ኣላማጣ ናብ ቆቦ ናይ ህዝቢ መጎዓዚያ ይመላለሳ ኣለዋ።

ምምሃር ምስትምሃር ግን ብመክፈቲ ኣፍ ክንምሃር ኣለና ዝብል ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ሕቶ መልሲ ስለዘይረኸበ ክሳብ ሎሚ ከምዘይጀመረ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG