ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ተሸላሚ ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዶ/ር ደብረጽየን`ውን ከሳትፎ ይግባእ' ይብል ዳን ኮነል


ዴቪድ ሺን(ጸጋም) ዳን ኮነል(የማን)
ዴቪድ ሺን(ጸጋም) ዳን ኮነል(የማን)

ተሸላሚ ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ምስጓም መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዝገብሮ ዳግመ-ጽምዶ ንዶ/ር ደብረጽየን`ውን ከሳትፎ ይግባእ` ይብል ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ዳን ኮነል።

ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ደቪድ ሺን ብወገኑ፡ ተደናጉዩ ዘሎ ምሕንጻጽ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ክትግበር ዝግብኦ ሕጂ`ዩ ይብል።

ዳን ኮነል፡ ኣብ ዘረብኡ፡ እቲ ሽልማት ኖቤል ንኢትዮጵያን ንኣፍሪቃን ዓቢይ ክብሪ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ሰላም እንታይ ኣዓዊቱ እንተኢልና ኣብ ዶባት ዝነበረ ወታሃደራዊ ምፍጣጥ ኣርሒቑ፡ ዶባት ንሓጺር ግዜ እንተኾነ`ውን ተኸፊቱ፡ ህዝብታት ካብን ናብን ተራኺቦም መስመራት ተሌፎንን መንገዲ ኣየራትን ይቕጽሎ ኣሎ ኢሉ።

ይኹን`ምበር እዚ ሰላም`ዚ ጭቡጥ ንክኸውን፡ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዳግም ተራኺቡ ክደፍኣሉ ኣለዎ፡ ንምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን`ውን ከሳትፎ ይግባእ ኢሉ። ዳን ኮነል፡ ምስ ዶ/ር ደብረጽየን ብኣካል ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ብኣጠቓላሊ ዝኾነ ናይ ሰላም ምትእምማን ክሳብ ዝተገብረ፡ ካብ ባድመ ኮነ ካብ ከባቢታት ኢሮብ ንምስሓብ ድልዋት ከምዘለዉ ከምዝሓበሮ ገሊጹ`ሎ።

ኣምባሳደር ደቪድ ሺን ብወገኑ፡ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ እንደገና`ውን ከም ምኽንያት ኮይኑ ንኸይምለስ፡ ዶባት ክሕንጸጽ ዝግብኦ ሕጂ`ዩ ይብል።

ንሽልማት ኖበል ሰላም 2019 መሰረት ጌሩ ንኽልቲኦም ምሁራትን ተንተንቲ ፖለቲካን ኣዘራሪቡ ኣሎ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG