ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

189 ተሳፈርቲ ሒዛ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ማያት ኢንዶኖዥያ ተሓምሺሻ


ሰበስልጣን ኢንዶኖዥያ ሎሚ ሶኑይ 189 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ፅዒና ካብ ጃካርታ ዝተበገሰት ነፋሪት ድሕሪ 13 ደቓይቕ ኣብ ገማግም ባሕሪ’ታ ሃገር ካብ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ብህይወት ዝተረፈ ምህላው ዘጠራጥር እዩ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ናይ ህይወት ኣድሕንን ፍተሻን ኤጄንሲ ሱቶፖ ፑርዎ ካብቶም ተሳፈርቲ ሰለስተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት Mሓደ ቆልዓን ክልተ ህፃውንትን እዮም ኢሎም።

እታ ነፋሪት ካብ 30 ክሳብ 35 ሜትሮ ናብ ውሽጢ ማይ ከምዝኣተወትን ገለ ሬሳታት ተሳፈርቲ ከምዝተረኸበን ሰበስልጣን ህይወት ኣድሕን ሓቢሮም ኣለው።

ብብዝሒ ኣብ መሸጣ እትርከብን ነዳዲ ብምቑጣብ እትፍለጥን Boeing 737 MAX ዝዓይነታ ነፋሪት ሓደጋ ከጋጥማ እዚ ናይ ፈለማ እዩ።

189 ተሳፈርቲ ሒዛ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ማያት ኢንዶኖዥያ ተሓምሺሻ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:41 0:00
XS
SM
MD
LG