ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሳትፎ ነበርቲ ሜሪላንድ ተወላዶ ትግራይ ኣመሪካዊያን ኣብ መንፈቓዊ ምርጫ ኣመሪካ


ተሳትፎ ነበርቲ ሜሪላንድ ተወላዶ ትግራይ ኣመሪካዊያን ኣብ መንፈቓዊ ምርጫ ኣመሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:58 0:00

ተሳትፎ ነበርቲ ሜሪላንድ ተወላዶ ትግራይ ኣመሪካዊያን ኣብ መንፈቓዊ ምርጫ ኣመሪካ

ኣብ ዝመጽእ ሰሙን 8 ሕዳር 2022 ኣብ ኣመሪካ መንፈቓዊ ምርጫ ክካየድ ወፍሪ ምርጫ ብውዕውዕ ቀፂሉ ኣሎ።ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያን ጉዳዮም ከፈፅምሎም ይኽእሉ እዮም ንዝብሉዎም ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ፣ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታትን ከባቢያዊ መራሕቶምን ንምምራፅ ድምፆም ካብ ምሃብ ሓሊፎም ዝተፈላለዩ ጎስጓሳታን ወፍርታትን እውን ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣመሪካዊያን ነበርቲ ሜሪላንድ ሓደ ውዳበ ፈጢሮም ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ኣመሪካዊያን መረፅቲ "(Maryland Tigrayan American Voters)" ዝብል ውዳበ ኣብ ሜሪላንድ ካብ ዝምስረት ሓደ ዓመት ከምዘቑፀረ ካብቶም ኣተሓባበርቲ ሓደ ኣቶ ኣሰፋ ዘብርኣውሩኽ ፍስሃ ይገልፅ።ናይቲ ውዳበ ወይ ማሕበር ዕላማ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ከባቢያውን ሃገራውን ምርጫታት ብምስታፍ ፅልውኦም ክብ ንምባል እዩ ይብል።ዛጊድ ዘካይድዎ ፃዕርታት ብዝምልከት ከምዚ ይብል።

"ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ዝካየድ መንፈቓዊ ምርጫ ተወላዶ ትግራይ ኣመሪካዊያን መረፅቲ ኣጀንዳታቶም ከፈፅሙሎም ተስፋ ንዝገብሩሎም ንምምራፅ ከምዝተዳለውን ኣብ ምልዕዓል መረፅቲ ይኹን ኣብ ካልኦት መድረኻት ከምዝሳተፉን ይገልፅ።"

ከም ውዳበ ይኹን ከም ትግራዋይ ዘገድሶ ወይ ክፍትሓሉ ዝደልዮ ቀንዲ ጉዳይ ብዝምልከት ከምዚ ይብል።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሜሪላንድ ከምዚ ዝበለ ውዳበን ምንቅስቓስ መረፅቲን ከምዘይነበረ ብምግላፅ እቲ ናይ ክልል ትግራይ ኩነታት ምስተፈጠረ ግን ካብ ታሕቲ ብምጅማር ኣብ ካልኦት ክፍለ ግዝኣታት ብደረጃ ማሕበረሰብ ምስ ዝነጥፉ ውዳበታት ኣብ ኔቫዳ፣ኣትላንታ፣ፍሎሪዳ፣ቨርጂኒያን ዲሲን ተሓባቢሮም ይሰርሑ ከምዘለው ኣቶ ኣሰፋ ይገልፅ።እታ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣመሪካዊያን ተወላዶ ትግራይ መረፅቲ(US Tigrayan American Voters) ዝብል ጥምረት ብምፍጣር ብደረጃ ሃገር ኣብ ምርጫ ፅልዋ ብምፍጣር ድምፆም ንክስማዕ ምግባር እዩ ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ምፍርራሞም ከመይ ከምዝሪኦን ኣብ ናይ መጻኢ ምንቅስቓሶም ዝፈጥሮ ፅልዋ እንተሃሊዩን ተሓቲቱ ካብቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ምንቅስቓሶም ከምዝቕፅልሉ ይሕብር።

እቲ ውዳበ ቅድሚ ሎሚ ነበርቲ ሜሪላንድ ንዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ ብምዕዳም ኣኼባታትን ሰልፍታትን ከምዘካየደ ኣቶ ኣስፋ ይገልፅ።እቲ ውዳበ 15 መራሕትን 165 ናይ ማሕበረሰብ ኣተሓባበርትን ከምዘለዎ ኣቶ ኣሰፋ ዘብርኣብሩክ ገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG