ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሳተፍቲ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ተገሊጹ


ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ጽባሕ ሰኑይ ጥቅምቲ 24,2022 ክጅመር ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ተላዘብቲ ክልቲኡ ወገናት ደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ልዝብ ዝካየደሉ ቦታን ሰዓትን ብምስጢር ዝተታሕዘን ክሳብ ሕጂ ዘይተገለጸን እንተኾነ ወሃቢ ቃል ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝወጽእዎ መልእኽቲ ትዊተር ተላዘብቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ሓቢሮም ኣለው።

ንሶም ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንምስታፍ ልኡኻት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትዮም ኣለው ክብሉ'ውን ሓቢሮም።

እቶም ወሃቢ ቃል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ወሲኾም "ተአፈፍቲ ጉዳያት" ኢሎም ኣብ ዘስፈርዎ ዝርዝር "ውግእ ብቅልጡፍ ደው ክብል: ብዘይገደብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ: ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራን" ኢሎም። ይኹን ደኣ እምበር ፕሮ.ክንደያ እዞም ዝተዘረሩ ነጥብታት ቕድመ- ኹነት ይኹኑ ኣይኹኑ ዝሓበርዎ ነገር የለን።

ፕሮ.ክንደያ ኣብ ትዊተር ዘውጽእዎ መልእኽቲ "ወታሃደራዊ ፍታሕ ክህልው ኣይክእልን" ብምባል ዛዚሞምዎ ኣለው።

ካብ ተላዘብቲ ክልል ትግራይ ጀነራል ጻድቓን ገብረትንሳኤን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ከምዝርከቡ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ዜና ክሳብ ዝተዳለወሉ ጊዜ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኮነ መግለጺ እንተዘየለ'ዃ ኣቐዲሙ አባል'ቲ ናይ ዘተ ጉጅለ ምዃኖም ዝተገልጸ ኣማካሪ ሃገራዊ ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብሓሙስን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዘተ ሰላም ንሰኑይ ጥቅምቲ 24,2022 ከምዝካየድ ከምሓበሮምን ኣብቲ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ዘለዎም ድልውነት ደጊሞም ኣረጋጊጾም'ዮም።

ንሶም ኣብዚ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ብስም ዘይጸውዕዎም ግን "ገለ ገለ" ዝበልዎም "ካብቲ ዘተ ሰላም ወጺኦም ንስጉምቲ ሰራዊት ምክልኻል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዝርግሖም ኣገሪሙና ኣሎ" ኢሎም።

ብዛዕባ ዘተ ሰላም ዝሓዞም ነጥብታት ኮነ እንታይ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰባ ብምግላጽ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ብቅንዕና ክካየድ ብምጽዋዕ ተኹሲ ብቅልጡፍ ደው ክብል: ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህልው: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክወጽእ ምትሕስሳቦም ወሃቢ ቃል'ቲ ሚንስትሪ ኔድ ፕራስ ገሊጾም።

ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ነቲ ዘተ ሰላም ዝምልከት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

ነቲ ዘተ ሰላም ዝምልከት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምነመሓላልፍ'ውን ንተኸታተልትና ክንሕብር ንፈትው።

XS
SM
MD
LG