ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ ህውሓት ናብ ብልጽግና ፓርቲ ንዘይምሕዋስ ዝወሰኖ ውሳነ ከምዝድግፎ ኣፍሊጦም


ህውሓት ናብ ሓዱሽ ውድብ ብልፅግና ንዘይምሕዋስ ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴን ዝተመሓለለፈ ውሳን ንድግፎ ኢና ክብሉ ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ ኣፍሊጦም። ተሳተፍቲ ነዚ ዝበሉ ኣብ መዛዘሚ’ቲ መድረኽ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ’ዩ::

ኣብ ከተማ መቐለ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ’ሎ::

ተሳተፍቲ ነቲ ሓዱሽ ውሁድ ውድብ ኣንፃር ረብሓና እዩ ብምባል ከምዝቃለስዎ’ውን ኣፍሊጦም::

ርእይቶኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቡ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ነቲ ውሳነ ንድግፎ ኢና ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG