መቐለ —
ህውሓት ናብ ሓዱሽ ውድብ ብልፅግና ንዘይምሕዋስ ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴን ዝተመሓለለፈ ውሳን ንድግፎ ኢና ክብሉ ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ ኣፍሊጦም። ተሳተፍቲ ነዚ ዝበሉ ኣብ መዛዘሚ’ቲ መድረኽ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ’ዩ::
ኣብ ከተማ መቐለ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ’ሎ::
ተሳተፍቲ ነቲ ሓዱሽ ውሁድ ውድብ ኣንፃር ረብሓና እዩ ብምባል ከምዝቃለስዎ’ውን ኣፍሊጦም::
ርእይቶኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቡ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ነቲ ውሳነ ንድግፎ ኢና ኢሎም::