ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተራ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስውራን ኣብርሃ ባህታ ኣብ ሂወት ዓይነ ስውራን ልዑል ከምዝኮነ ተገሊጹ


ኣብ ጎዳይፍ፡ ኣስመራ እትርከብ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ዓይነ-ስውራን ኣብርሃ ባህታ ዓይነ-ስውራን ካብ ሽከምን ተጸባይነትን ምዃን ተናጊፎም ህይወቶም ንኽመርሑን ኣብ ጉዳይ ሕብረተሰብ ሃገርን እጃሞም ከበርክቱ ዝለዓለ ተራን ኣበርክቶን ከምዘለዋ ተማሃሮን መምህራንን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

እዛ ቤት ትምህርቲ ማዕረ ማዕረ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ፡ናይ ማእለማን ሙዚቃን ከምኡ’ውን ኣብ ምሉእ ሂወቶም ዝሕግዞም ተወሳኺ ትምህርትን ስልጠናን ንዓይነ-ስውራን ከም ዝወሃብ ርእሰ መምህርት ናይ’ታ ቤት ትምህርቲ መም/ገብረዝጋብሔር ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ኣብ’ታ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝተማህሩ ቀዳሞት ተማሃሮ ከም ዝኾነት እተዛረበት መም/ገነት ብወገና ፡ካብ’ዛ ቤት ትምህርቲ ብሰነ ምግባርን ፍቕርን ተሃኒጾም ከምዝወጽኡ ተዛሪባ።

ብረይል እቲ ዝበለጸ ዕጥቂ ናይ ሓደ ዓይነ-ስውር’ዩ ዝበለ ኣቶ ኣማኑአል ሳላ ኣብ’ዛ ቤት ትምህርቲ ዝተማሃረ፡ማዕረ እቶም ስንክልና ዘይብሎም ሰባት ሂወቱ ክመርሕ ከምዝከኣለ ተዛሪቡ።

ኣብ 1967 ብጻዕርን ተበግሶን ነፍስሄር ስዩም ወ/ማርያም ዝተመስረተትን ብስም ገባር ሰናይ ነፍስሄር ኣብርሃ ባህታ ትጽዋዕ ዘላን ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ዓይነ-ስውራን ኣብርሃ ባህታ ፡ኣብ ዝሓለፉ 54 ዓመታት ንልዕሊ 600 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዓይነ-ስውራን ኣገልግሎት ከምዝሃበት ሰነዳት የብርህ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG